bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 55
Isaiah 55
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣቱም ፅሙኣት ኵልኻትኩም ናብ ማይ ንዑ፤ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩምውን ንዑ፤ ዓድጉ እሞ ብልዑ። ንዑ፤ ብዘይ ገንዘብ፥ ብዘይ ዋጋ ወይንን ፀባን ዓድጉ።
2
ገንዘብኩም እንጀራ ንዘይኮነ፥ ፃማኹም ድማ ነቲ ዘየፅግበኩም፥ ንምንታይ ተጥፍኡ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፤ ነቲ ዝፀበቐ ኸዓ ብልዑ፥ ነፍስኹምውን ብጥዑም ምግቢ ኽትሕጐስ እያ።”
3
“እዝንኹም ፀሊኹም ናባይ ቅረቡ እሞ ስምዑ፤ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፤ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፈኽዋ ፅኑዕ ምሕረት፥ ምሳኻትኩም ዘለኣለማዊ ኪዳን፥ ክኣቱ እየ።
4
እንሆ፥ ንኣህዛብ ምስክር፥ ንህዝቢ እውን ሓለቓን ገዛእን ገይረዮ ኣለኹ።
5
እንሆ፥ ንዘይትፈልጦ ህዝቢ ኽትፅውዕ ኢኻ፤ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥ ኣኽቢሩካ እዩሞ፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ዘይፈልጠካ ህዝቢ ናባኻ ኽጐዪ እዩ።”
6
ንእግዚኣብሄር ብዝርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፤ ቀሪቡ እንተሎውን ፀውዕዎ።
7
ክፉእ ሰብ መንገዱ፥ በደለኛውን ሓሳቡ ይሕደግ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለስ፤ ንሱ ኸዓ ምሕረት ክገብረሉ እዩ፤ ናብ ኣምላኽና ይመለስ፤ ይቕረታኡ ብዙሕ እዩሞ።
8
“ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም፥ መንገድታትኩም ከም መንገደይ ኣይኮነን” ይብል እግዚኣብሄር።
9
ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል፥ መንገደይ ካብ መንገድታትኩም፥ ሓሳባተይ ከዓ ኻብ ሓሳባትኩም፥ ልዕል ዝበለ እዩ።
10
“ዝናምን በረድን ካብ ሰማይ ከም ዝወርድ፥ እሞ ንምድሪ እውን ከም ዘርውያ፥ ከም ተብቍልን ከም እተፍርን ገይሩ፥ ዘርኢ ንዘራኢ፥ እንጀራ ንተመጋቢ፥ ከም እትህብ እንተይገበረ፥ ናብ ሰማይ ከም ዘይምለስ፥
11
ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ቃለይ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ፤ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ይፍፅም፤ ዝተልኣኸሉውን የስልጥ እምበር፥ ብኸንቱ ናባይ ኣይምለስን።”
12
“ብሓጐስ ክትወፁ፥ ብሰላም ድማ ኽትስነዩ ኢኹም፤ እምባታትን ኰረብታታትን፥ ቀቅድሜኹም ዕልል ክብሉልኩም፥ ኵሎም ኣእዋም በረኻውን፥ ከጣቕዑልኩም እዮም።
13
ክንዲ እሾዅ ኦም ፅሕዲ፥ ክንዲ ኣምዐ ድማ ፀፆ፥ ክበቍል እዩ፤ እዙይ ከዓ ንእግዚኣብሄር መዘከርታን፥ ንዘለኣለም ዘይጠፍእ ምልክትን ክኸውን እዩ።”
← Chapter 54
Chapter 56 →