bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 53
Isaiah 53
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ቅልፅም እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደ?
2
ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን፥ ከምቲ ኻብ ንቑፅ ምድሪ ዝወፅእ ሱርን ጨብጨበ፤ መልክዕን ፅባቐን የብሉን፤ ምስ ረአናዮ ንኽንፈትዎ፥ ዘብህገና ትርኢት የብሉን።
3
ብሰብ ዝተንዓቐን ዝተፀልአን እዩ፤ በዓል ስቓይ፥ ብሕማም ዝተጠቕዐ እዩ፤ ከምቲ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ፥ ገፆም ዝምልሱሉ ሰብ፥ ዝተዋረደ እዩ፤ ንሕናውን ኣየኽበርናዮን።”
4
“ብሓቂ ንሱ ደዌና ተቐበለ፤ ሕማምናውን ተሸከመ፤ ንሕና ግና ብእግዚኣብሄር ከም ዝተወቕዐን፥ ከም ዝተቐስፈን ከም ዝተሳቐየን ቈፀርናዮ።
5
ንሱ ግና ብሰንኪ ሓጢኣትና ቘሰለ፤ ብሰንኪ በደልናውን ደቐቐ፤ ምእንቲ ድሕንነትና፥ መቕፃዕቲ ናብኡ ወረደ፤ ንሕናውን ብቝስሉ ተፈወስና።
6
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
7
“ተጨነቐ፤ ተሳቐየ፤ ግና ኣፉ ኣይከፈተን፤ ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝዅብኰብ ጡበት፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ፥ ኣፉ ኣይከፈተን።
8
ብምጭናቕን ብፍርድን ተወሰደ፤ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝበይ ተወቒዑ፥ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝተወገደ፥ ካብ ትውልዱ መን ኣስተውዓለ?
9
ገበን ዘይፈፀመ፥ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበስ፥ ኣማውታኡ ምስ ክፉኣት፥ መቓብሩ ኸዓ ምስ ሃብታማት ኮነ።”
10
“እግዚኣብሄር ግና ብስቓይ ከድቅቖ ፈቐደ፤ ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈየ፥ ዘርኡ ኽርኢ ዕድሚኡውን ክነውሕ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኢዱ ኽፍፀም እዩ።
11
ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ፤ እቲ ፃድቕ ባርያይ፥ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥ ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።
12
ስለዙይ ንሱ ንብዙሓት ክወርስ እዩ፤ ምርኮውን ምስ ሓያላት ክካፈል እዩ፤ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ሂቡ፥ ምስ በደለኛታትውን ተቘፂሩ እዩሞ፤ ንሱ ሓጢኣት ብዙሓት ፆረ፤ ምእንቲ በደለኛታትውን ማለደ።”
← Chapter 52
Chapter 54 →