bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 52
Isaiah 52
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቲ ፅዮን ተስኢ፤ ተስኢ፤ ሓይልኺ ልበሲ፤ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ናይ መዓርግ ልብስኺ ልበሲ፤ ድሕሪ ሕዚ ዘይተገርዘን ርኹስን፥ ናባኺ ኣይኣቱን እዩ እሞ።
2
ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ በነንታኺ ንገፊ፤ ተሲእኺ ተቐመጢ፤ ኣቲ ምርኽቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰንሰለት መእሰሪ ክሳድኪ ፍትሒዮ።
3
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብዘይ ዋጋ ተሼጥኩም ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ብዘይ ዋጋ ኸዓ ኽትቢዘዉ ኢኹም።
4
ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብመጀመርታ ኽነብር ኢሉ፥ ህዝበይ ናብ ግብፂ ወረደ፤ ብድሕሪኡ ግና ኣሶር፥ በዝ ምኽንያት እዙይ ኣጨነቖ።
5
ህዝበይ ብኸንቱ ተወሲዱ እዩሞ፥ ሕዚ ኣብዙይ እንታይ ኣለኒ? ይብል እግዚኣብሄር። ገዛእቶም የባጭውሎም ኣለዉ፤ ኵሉ መዓልቲ ኸዓ ስመይ ይፅረፍ ኣሎ።
6
ስለዙይ ህዝበይ ስመይ ክፈልጥ እዩ፤ ስለዙይውን ዝናገር ኣነ ኸም ዝኾንኩ፥ በታ መዓልቲ ኽፈልጥ እዩ፤ እንሆ ኣነ እየ።”
7
እቲ ብስራት ዘብስር፥ ሰላምውን ዝነግር፥ ሰናይ ዜና ዘብስር፥ ድሕነት ዝእውጅ፥ ንፅዮን ከዓ ኣምላኽኪ ነጊሱ እዩ ዝብል፥ ኣእጋሩ ኣብ እምባታት ክንደይ ፅቡቓት እየን!
8
ስምዒ! እግዚኣብሄር ናብ ፅዮን ክምለስ እንተሎ፥ ዓይኒ ንዓይኒ ኽሪኡዎ እዮም እሞ፥ እቶም ሓለውትኺ ብሓባር ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብሓድነት ክዝምሩ እዮም።
9
ኣትን ዑናታት ኢየሩሳሌም፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘፀናንዖ፥ ንኢየሩሳሌምውን ስለ ዝተቤዘዋ፥ ብሓጐስ ዕልል በላ፤ ሓቢርክን ከዓ ዘምራ።
10
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ዝተቐደሰ ቅልፅሙ ኸርኢ እዩ፤ ኵሎም ኣብ ወሰን ምድሪ ዘለዉ፥ ናይ ኣምላኽና ምድሓን ክሪኡ እዮም።
11
ኣቱም ናይ እግዚኣብሄር ኣቑሑ እትፆሩ፥ ረሓቑ፤ ረሓቑ፤ ካብኡ ውፁ፤ ርኹስ ነገር ከቶ ኣይትንክኡ፤ ካብ ማእኸላ ውፁ፤ ንፁሃትውን ኩኑ።
12
እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ክኸይድ፥ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ደጀንኩም ክኸውን እዩ እሞ፥ ብታህዋኽ ኣይትወፁን፤ ሃዲምኩምውን ኣይትኸዱን ኢኹም።
13
“እንሆ፥ ኣገልጋሊየይ ዝገብሮ፥ ብምስትውዓል እዩ፤ ክገንን፥ ልዕል ልዕል ክብል፥ የመናውን ክኸብር እዩ።
14
ብዙሓት ብኡኡ ኽሳዕ ዝግረሙን ዝድንግፁን፥ ካብ ዝኾነ ሰብ መልክዑ ዝተፈለየ፥ ካብ ዅሉ ወዲ ሰብ፥ ብዝኸፍእውን ተጐሳቘለ።
15
ከምኡ ኸዓ ንብዙሓት ኣህዛብ ከደንቕ እዩ፤ እቶም ብዙሓት ነገስታትውን፥ ተነጊርዎም ዘይፈልጥ ስለ ዝሪኡ፥ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡውን ስለ ዘስተውዓሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣፎም ክሕዙ እዮም።”
← Chapter 51
Chapter 53 →