bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hebrews 5
Hebrews 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኵሉ ሊቀ ካህናት ዝኸውን፥ ካብ ሰብ እዩ ዝምረፅ። ንእግዚኣብሄር ድማ መባእን መስዋእትን ከቕርብ ምእንቲ ሰብ ድማ ይሽየም።
2
ንሱ ባዕሉ ድኽመት ዘለዎ ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ዘይፈልጡን ዝተጋገዩን ክርህርሀሎም ይኽእል እዩ።
3
ሰለዙይ ድማ ኸምቲ ምእንቲ ህዝቢ፥ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ፥ ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ኸቕርብ ይግብኦ።
4
ከም ኣሮን ብእግዚኣብሄር ዝተፀውዐ እምበር፥ ነዝ ኽብሪዙይ ባዕሉ ኽረኽቦ ዝኽእል ሓደኳ የለን።
5
ክርስቶስውን ሊቀ ካህናት ንምዃን ንባዕሉ ኣየኽበረን። ግና እግዚኣብሄር፥ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” በሎ እምበር።
6
ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፥ “ንስኻ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” በሎ።
7
ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ።
8
ውሉድ እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ዝተቐበሎ መከራ ተኣዛዚ ምዃን ተምሃረ።
9
ስራሑ ምስ ፈፀመ ድማ፥ ነቶም ዝእዘዝዎ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ክረኽቡ ምኽንያት ኮኖም።
10
እግዚኣብሄር ከዓ ኸም መዓርግ መልከ ፄዴቅ፥ ሊቀ ካህናት ገይሩ ሸሞ።
11
ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ እንብሎ ብዙሕ ነይሩና፤ እንተ ኾነ፥ ኣእዛንኩም ንምስማዕ ዝደንዘዛ ስለዝኾና፥ ብቓል ክንገልፆ ኣፀጋሚ እዩ።
12
ኻብ ዝኣመንኩምሉ ኽሳዕ ሕዝስ፥ መምህራን ክትኮኑ እኳ ምተገበአኩም ነይሩ፤ ገና ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ መሊሱ ዝምህረኩም የድልየኩም ኣሎ። ፀባ ደኣ እምበር፥ ዕፁም ምግቢ ኣየድልየኩምን እዩ።
13
ኵሉ ፀባ ዝምገብ ህፃን ስለ ዝኾነ፥ ብዛዕባ ናይ ፅድቂ ነገራት ክፈልጥ ኣይኽእልን።
14
ዕፁም ምግቢ ግና፥ ነቶም ፅቡቕን ክፉእን ንምፍላይ፥ ንባዕላቶም ንዘላመዱ ንዓበይቲ እዩ።
← Chapter 4
Chapter 6 →