bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hebrews 4
Hebrews 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እምበኣር ናብ ዕረፍቲ እግዚኣብሄር ንምእታው ተስፋ ኻብ ሃለወና፥ ምናልባሽ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ናብዝ ዕረፍቲ እዙይ እንተይኣተወ ዝተርፍ ከይህሉ ንፍራሕ።
2
ከምቲ ንኣኣቶም ዝተሰብከሎም፥ ንኣናውን ብስራት ተሰቢኹልና እዩሞ፤ እንተ ኾነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል፥ ብእምነት ስለ ዘየዋሃድዎ ኣይጠቐሞምን።
3
ስራሕ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምፍጣር ዓለም ተወዲኡ እንተ ነበረ እኳ፥ እቲ ፅሑፍ “ናብቲ ዕረፍተይ ኣየኣትዉን እዮም፤ ኢለ ብቝጥዓይ መሓልኩ” ኸም ዝብል፥ ንሕና እንኣምን ግና፥ ናብ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ኢና።
4
ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኣብ ሓደ ስፍራ፥ “እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ስራሑ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ” ይብል።
5
ኣብኡ ኸዓ ደጊሙ፥ “ናብቲ ዕረፍተይ ኣይኣትዉን እዮም” ይብል።
6
እምበኣር ኣብዛ ዕረፍቲ እዚኣ ዝኣትዉ ሰባት ስለ ዘለዉ እዩ። እቶም ቅድም ብስራት ዝሰምዑ ግና፥ ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ኣይኣተዉዋን።
7
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምቲ ቕድም፦ “ሎሚ ድምፁ እንተ ሰሚዕኹም፥ ልብኹም ኣይተትርሩ” ኢልዎ ዝነበረ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ፥ ብኣፍ ዳዊት ገይሩ መሊሱ “ሎሚ” እናበለ ብምዝራቡ፥ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ኸም ዝመደበ የርኢ።
8
ኢያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዝኸውንስ፥ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ።
9
እምበኣር ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ተዳሊያትሎም ኣላ።
10
እቲ ናብ ዕረፍቱ ዝኣተወ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ካብ ስራሑ ዘዕረፈ፥ ንሱውን ካብ ስራሑ የዕርፍ እዩ እሞ።
11
ስለዙይ፥ ሓደኳ ናይቲ ዘይምእዛዞም ኣርኣያ ተኸቲሉ ኸይወድቕ፥ ናብቲ ዕረፍቱ ኽንኣቱ ንፅዓር።
12
ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን፥ መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቘርፅ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን፥ ፈልዩ ዝምርምር እዩ።
13
ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ኩሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ።
14
እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘለና፥ እምነትና ኣፅኒዕና ንሓዝ።
15
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።
16
እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ።
← Chapter 3
Chapter 5 →