bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hebrews 13
Hebrews 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሕውነታዊ ፍቕሪ ይሃሉ።
2
ኣጋይሽ ምቕባል ኣይትረስዑ፤ ገሊኣቶም እንተይፈለጡ፥ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ዝተቐበሉ ኣለዉሞ።
3
ንእሱራት፥ ምስኣቶም ከም ዝተኣሰርኩም ኴንኩም፥ መከራ ንዝተቐበሉውን፥ ከምኣቶም መከራ ኸም እትቕበሉ ዘለኹም ኴንኩም ዘክርዎም።
4
መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር ይኹን፤ እቲ ዓራት ኣሚን ከዓ ኣይርከስ። ንኣመንዝራታትን ንዘመውትን ግና፥ እግዚኣብሄር ክፈርዶም እዩ እሞ።
5
እግዚኣብሄር ባዕሉ “ኣይሓድገካን፥ ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፥ ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።
6
ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል።
7
ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ዝመሃሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፤ ናይ ኣካይዳኦም ፍረ ኣስተውዒልኩም፥ ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።
8
ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።
9
ብዙሕ ብዝዓይነቱ ብዘይተለመደ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይትታለሉ፤ ነቶም ብእኡ ዝመላለሱ፥ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ናይ መብልዕ ስርዓት ዘይኮነስ፥ ልብኹም ብፀጋ እንተ ፀንዐ ሰናይ እዩ እሞ።
10
እቶም ነታ ድንኳን ዘገልግሉ፥ ካብኡ ኽበልዑ ዘይግብኦም፥ ንኣና መሰውኢ ኣለና።
11
እቲ ሊቀ ካህናት፥ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝውፈ ናይ እንስሳታት ደም ሒዙ፥ ናብ ቕድስተ ቅዱሳን ይኣቱ። እቲ ስጋ ግና ኻብ ሰፈር ወፃኢ ይቃፀል ነበረ።
12
ኢየሱስውን ንህዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኽቕድስ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ መከራ ተቐበለ።
13
እምበኣር ንሕናውን፥ ንሱ ዝተቐበሎ ውርደት ፆይርና፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር፥ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ንኺድ።
14
ነታ እትመፅእ ደኣ ንፅበ ኣለና እምበር፥ ኣብዙይ ነባሪት ከተማ የብልናን።
15
እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።
16
ሰናይ ምግባርን፥ ዘለኩም ንኻልኦት ምክፋልን ኣይትረስዑ፤ ከምዙይ ዝበለ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር የሕጕሶ እዩ እሞ።
17
ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቲ መልሲ ዘቕርቡ፥ ነቒሖም ምእንቲ ነፍስኹም ይተግሁ እዮም እሞ። ስለዙይ፥ ነዙይ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፥ ንኣኻትኩም ኣይጠቕመኩምን እዩ እሞ፥ ተሓጕሶም ከም ዝገብርዎ ግበሩ።
18
ቕኑዕ ሕሊና ኸም ዘለና ርግፀኛታት ኢና፤ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ንምግባርውን ድልየት ኣለናሞ፥ ፀልዩልና።
19
ብዝበለፀ እኳ፥ ናባኻትኩም ቀልጢፈ ምእንቲ ኽምለስ፥ ክትፅልዩለይ እልምነኩም ኣለኹ።
20
እቲ ኣምላኽ ሰላም፥ ብደም እቲ ናይ ዘለኣለም ኪዳን፥ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ንዝኾነ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥
21
ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደስ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ፥ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍፅሙ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ፍፁማን ይግበርኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
22
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ነዝ ኣሕፅር ኣቢለ ፅሒፈልኩም ዘለኹ ቓል ምዕዳን፥ ብትዕግስቲ ኽትቅበልዎ እልምነኩም ኣለኹ።
23
ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም ዝተፈትሐ ፍለጡ፤ ንሱ ቐልጢፉ ናባይ እንተ መፂኡ፥ ብሓደ ዄንና ኽንሪአኩም ኢና።
24
ንዅሎም መራሕትኹምን ንዅሎም ቅዱሳንን፥ ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝኾኑ፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
25
ፀጋ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
← Chapter 12