bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hebrews 12
Hebrews 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ምእንቲ እዙይ ንሕናውን ክንድዙይ ዝኣኽሉ መሰኻኽር፥ ከም ደመና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፥ ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።
2
ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።
3
ምእንቲ ኸይትደኽሙን፥ ተስፋ ኸይትቘርፁን፥ ነቲ ብሓጥኣን ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ዝተዓገሰ ንእኡ ዘክርዎ።
4
ምስ ሓጢኣት ክትቃለሱ እንተለኹም፥ ገና ኽሳዕ ምፍሳስ ደምኩም እትበፅሑ ኣይተቓወምኩምን።
5
እቲ ኸም ውሉድ ገይሩ፥ ከምዙይ ኢሉ ዝምዕደኩም ቃል፥ ረሲዕኹምዎ ዲኹም? “ወደይ ተግሳፅ ጐይታ ኣይተቃልል፤ እንተ ቐፅዐካውን ተስፋ ኣይትቝረፅ፤
6
እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈትዎ እዩ ዝግስፅሞ፤ ነቲ ኸም ወዱ ዝተቐበሎውን ይቐፅዖ።”
7
እግዚኣብሄር ከም ውሉዱ ይሪአኩም እዩ እሞ፥ እንተ ቐፅዐኩም ተዓገሱ፤ ኣቦኡ ዘይቐፅዖ ውሉድከ መን እዩ?
8
ከምቶም ኵሎም ውሉድ፥ መቕፃዕቲ እንተ ዘይተቐቢልኩም ግና፥ ድቓሉ ደኣ እምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን።
9
ኣብ ልዕሊዙይ ብስጋ ዝወለዱና ኣቦታት ዝቐፅዑና ኻብ ኮኑ፥ ንሕናውን እነኽብሮም ካብ ኮንና፥ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ነቲ መንፈሳዊ ኣቦና ደኣ፥ ከመይ ኣብሊፅና ኽንእዘዞ ዘይግበአና!
10
ስጋውያን ኣቦታትና፥ ንቑሩብ ጊዜ ኸምቲ ፅቡቕ እዩ ኢሎም ዝገመትዎ ገይሮም ይቐፅዑና፤ እግዚኣብሄር ግና፥ ናይ ቅድስናኡ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ንጥቕምና ይቐፅዐና።
11
ኵሉ ቕፅዓት፥ ንጊዜኡ የሕዝን እምበር ኣየሐጕስን እዩ፤ ብትዕግስቲ ንዝተቐበልዎ ግና፥ ንሓዋሩ ሰላም ዝመልኦ፥ ናይ ፅድቂ ፍረ እዩ ዘፍርየሎም።
12
ስለዙይ፥ ዝደንዘዙ ኣእዳውን ዝደኸሙ ኣብራኽን ኣፅንዑ።
13
“ዝሕንክስ ክሓዊ እምበር፥ ዝገደደ ምእንቲ ኸይዘናበልስ፥ ነእጋርኩም ቅኑዕ መንገዲ ግበሩ።”
14
ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ፤ ብዘይ ቅድስና፥ ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።
15
ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።
16
ሓደኳ ዘማዊ ዝኾነ፥ ወይ ከምቲ ንሓንቲ ጊዜ ኽበልዕ ኢሉ፥ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፥ መንፈስ ዘይብሉ ሰብ ከይህሉ ተጠንቀቑ።
17
ኤሳው ፀኒሑ ነታ በረኸት ክወርስ እኳ እንተ ደለያ፥ ኣይተውሃቦን፤ ብንብዓትውን እንተ ደለያ፥ ንንስሃ ዝኸውን ጊዜ ኸም ዘይረኸበ ትፈልጡ ኢኹም።
18
ንስኻትኩም ኣብቲ ሃልሃል ብዝብል ሓዊ፥ ጣቓ፥ ፀልማት፥ ንፋስ ኣውሎ፥ ድምፂ መለኸትን፥ ቃል ዝስምዐሉ ድምፅን፥ ብኢድ ክድህሰስ ናብ ዝኽእል እምባ ሲና ኣይኮንኩምን በፂሕኩም ዘለኹም። እቶም ዝሰምዕዎውን፥ ወሲኹ ኸይዛረቦም ለመኑ።
20
“እንስሳ እኳ፥ ነቲ እምባ እንተ ነኽአ፥ ብእምኒ ተቐጥቒጡ ይቀተል” ዝብል ትእዛዝ ኽፆርዎ ኣይከኣሉንሞ።
21
እቲ ትርኢት፥ ክሳዕ ክንድዙይ ዘፍርሕ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ሙሴ “እፈርሕን እርዕድን ኣለኹ” በለ።
22
ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ፅዮንን፥ ናብታ ኸተማ ህያው እግዚኣብሄር ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን፥ ናብቶም ብሓጐስ ዝተኣከቡ ኣእላፋት ዝኾኑ መላእኽትን፥
23
ናብታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተፅሓፈ፥ በዅሪ ዝኾኑ ዝቖመት ቤተ ክርስቲያንን፥ ናብቲ ንዅሉ ዝፈርድ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ነፍሳት እቶም ፍፁማን ዝኾኑ ፃድቃንን፥ በፂሕኹም ኢኹም።
24
ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
25
እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ፥ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ፥ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተ ኣበና፥ ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል?
26
ሽዑ ድምፁ ንምድሪ ኣናወፃ፤ ሕዚ ግና “ንምድሪ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሰማይውን ሓንሳእ ደጊመ ኸናውፆ እየ” ኢሉ ተስፋ ሂቡ እዩ።
27
“ሓንሳእ ደጊመ” ዝብል ቃል ከዓ፥ እቲ ዝናወፅ ኵሉ ኸም ዝሓልፍ፥ እቲ ዘይናወፅ ድማ ፀኒዑ ኸም ዝነብር ከመልክት ኢሉ እዩ።
28
እምበኣር ዘይትናወፅ መንግስቲ ስለ እንቕበል፥ ብፍርሓትን ኣኽብሮትን፥ ንእግዚኣብሄር ደስ እናበልና፥ ንእኡ እነምልኸሉ ፀጋ ንሓዝ።
29
ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩ እሞ።
← Chapter 11
Chapter 13 →