bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 38
Genesis 38
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ወርሓት እቱይ ከዓ፥ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ፥ ምስ ሓደ ኤራስ ዝስሙ ኣዶሎማዊ ሰብ ክቕመጥ ከደ።
2
ኣብኡ ድማ ጓል ሓደ ሴዋ ዝስሙ ከነዓናዊ ሰብኣይ ረአየ፤ ወሰዳሞ ናብኣ ኣተወ።
3
ንሳ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ ዔር ኢላ ድማ ሰመየቶ።
4
ደጊማ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ ኣውናን ኢላ ድማ ሰመየቶ።
5
መሊሳ ኸዓ ወዲ ወለደት፤ ሴሎም ኢላውን ሰመየቶ። ንእኡ ኽትወልድ እንተላ፥ ክዚብ ኣብ ዝበሃል ሃገር ነበረት።
6
ይሁዳ ድማ ንበዅሪ ወዱ ንዔር፥ ትእማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምፅአሉ።
7
በዅሪ ይሁዳ ዔር ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ቐሰፎ።
8
ሽዑ ይሁዳ ንኣውናን “ኪድ እሞ ንሰበይቲ ሓውካ ውረሳ፤ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቑመሉ” በሎ።
9
ኣውናን ግና እቲ ሓድጊ ንእኡ ኸም ዘይኸውን ፈለጠ። ሽዑ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ኽኣቱ እንተሎ፥ ንሓዉ ሓድጊ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ ነቲ ዘርኡ ናብ ምድሪ የፍስሶ ነበረ።
10
እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኮነ እሞ፥ ንእኡውን ቀሰፎ።
11
ሽዑ ይሁዳ፥ ንሴሎም ወዱ ኸም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ ንትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ “ወደይ ሴሎም ክሳዕ ዝዓቢ ኺዲ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ” በላ። ትእማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት።
12
ድሕሪ ብዙሕ እዋን ድማ ጓል ሴዋ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተት። ይሁዳ ሓዘኑ ምስ ወድአ ምስ ፈታዊኡ ኤራስ ኣዶላማዊ ናብቶም ኣባጊዑ ዝቐርፁ ዝነበሩ ሰባት ናብ ተምና ደየበ።
13
ንትእማር ድማ “እንሆ ድማ ሓሙኺ ይሁዳ፥ ኣባጊዑ ኽቐርፅ ናብ ተምና ይድይብ ኣሎ” ኢሎም ነገርዋ።
14
ንሳ ኸዓ፥ ሴሎም ዓብዩ እንተሎስ፥ ሰበይቱ ኽትከውን ከም ዘይተውሃበት ሪኣ ነበረት እሞ፥ ነቲ ኽዳን መበለትነታ ኣንቢራ፥ ብሻሽ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተምና ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠት።
15
ይሁዳ ምስ ረአያ ድማ ገፃ ሸፊና ስለ ዝነበረት ኣመንዝራ መሰለቶ።
16
ንሱ ኸዓ ሰበይቲ ወዱ ምዃና ስለ ዘይፈለጠ፥ ናብቲ ንሳ ዝተቐመጠትሉ ወሰን መንገዲ ኣግሊሱ “በይዛኺ ናባኺ ኽኣቱ ፍቐድለይ?” በላ። ንሳ ድማ “ናባይ ክትኣቱስ እንታይ ትህበኒ?” በለቶ።
17
“ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ ክሰደልኪ እየ” በላ። ንሳ ኸዓ “ክሳዕ እትሰደለይከ እንታይ ትሕጃ ትህበኒ?” በለቶ።
18
ንሱ ኸዓ “እንታይ ትሕጃ እሞ ኽህበኪ?” በላ። “ቀለበትካን ኣምባርካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን” በለቶ። ሂብዋ ኸዓ ናብኣ ኣተወ፤ ንሳውን ካብኡ ጠነሰት።
19
ተሲኣ ኸዓ ኸደት፤ መጐልበቢኣ ኣንቢራ ድማ፥ ከም ቀደማ ኽዳን መበለትነታ ተኸደነት።
20
ይሁዳ ድማ ነቲ ዘትሓዞ፥ ካብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድ ኢሉ፥ ብኢድ እቲ ፈታዊኡ በዓል ኣዱላም ጥቦት ጤል ሰደደላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን።
21
ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት “እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መንገዲ ተቐሚጣ ዝነበረት ኣመንዝራ ኣበይ ኣላ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ኣብዙይ ኣመንዝራ ኣይነበረትን” ኢሎም መለሱሉ።
22
ናብ ይሁዳ ተመሊሱ ድማ “ኣይረኸብክዋን፥ እቶም ኣብታ ቦታ ዝነብሩ ኸዓ ‘ኣብዙይስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን’ ኢሎምኒ” በሎ።
23
ይሁዳ ድማ “ጥቦት ሰዲደላ ነይረ፥ ንስኻ ኸዓ ኣይረኸብካያን እሞ፥ ከይንዋረድስ ነቲ ዘትሓዝክዎ ትሕጃ ትውሰዶ” በለ።
24
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ “ትእማር ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፥ እንሆ ኸዓ ብዝሙት ጠኒሳ” ኢሎም ንይሁዳ ነገርዎ። ይሁዳ ድማ “ኣውፅእዋ፥ ብሓዊ ኣንዲድኩም ከዓ ቕተልዋ” ኢሉ ኣዘዘ።
25
ምስ ኣውፅእዋ፥ ናብ ሓሙኣ ልኢኻ “እዝ ቐለቤት እዙይን፥ እዝ ኣምባር እዙይን፥ እዛ በትሪ እዚኣን፥ ናይ መን ከም ዝኾና እስኪ በይዛኻ ኣለልየን። ኣነ ኻብ ዋና እዘን ኣቑሑት እዚኣተን እየ ጠኒሰ ዘለኹሞ” በለቶ።
26
ይሁዳ ኸዓ ኣቑሑቱ ኣለልዩ፥ “ሓቃ እያ፤ ኣነ እየ ዝተጋጌኹ፤ ንሴሎም ወደይ ክህባ ይግብአኒ ነይሩ” በለ። ብድሕሪኡ ግና ናብኣ ኣይኣተወን።
27
ጊዜ ሕርሳ ምስ በፅሐ፥ እንሆ ኣብ ማህፀና ማንታ ደቂ ነበሩ።
28
ክትወልድ እንተላ፥ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውፅአ፥ እታ መሕረሲት ከዓ “ቅድም ዝወፀ እዙይ እዩ” ኢላ ቐይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ።
29
እንተ ኾነ ንሱ ኢዱ ንድሕሪት መለሰ፥ ሓዉ ኸዓ ቕድም ተወለደ። ሽዑ እታ መሕረሲት “ከምዙይ ጌርካ እምበኣር ጥሒስካ ወፂእኻ” በለት። ፋሬስ ኢሎም ድማ ሰመይዎ።
30
ብድሕሪኡ ኸዓ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ተወለደ። ዛራ ኢሎም ድማ ሰመይዎ።
← Chapter 37
Chapter 39 →