bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 37
Genesis 37
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ያእቆብ ኣቦኡ ሰደተኛ ኾይኑ ይነብረሉ ኣብ ዝነበረ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ተቐመጠ።
2
ትውልዲ ያእቆብ ከምዙይ እዩ፦ ዮሴፍ ወዲ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት መንእሰይ ምስ ኮነ፥ ካብ ኣንስቲ ኣቦኡ ኻብ ባላን ዘለፋን ምስ ዝተወለዱ ኣሕዋቱ ናይ ኣቦኡ ኣባጊዕን ኣጣልን ይሕሉ ነበረ። ንሱ ብዛዕባ ሕማቕ ተግባር ኣሕዋቱ ነቦኡ የምፅአሉ ነበረ።
3
እስራኤል ንዮሴፍ ኣብ እዋን እርግናኡ ስለ ዝወለዶ፥ ካብ ኵሎም ደቁ ኣብሊፁ ይፈትዎ ነበረ፤ ብሕብሪ ቐለማት ዘጌፀ ቐሚሽውን ከደኖ።
4
እቶም ኣሕዋቱ፥ ኣቦኣቶም ሕልፊ ዅላቶም ከም ዝፈትዎ ሪኦም ፀልእዎ፤ ብሕውነት ክዛረብዎ ድማ ኣይደለዩን።
5
ዮሴፍ ከዓ ሕልሚ ሓለመ፥ ነሕዋቱ ምስ ነገሮም ድማ የመና ፀልእዎ።
6
ዮሴፍ ድማ “ዝሓለምክዎ ሕልሚ ኽነግረኩም ስምዑ” በሎም፦
7
“ንሕና ኣብ ማእኸል ግራት እንዳእቲ ንኣስር ነበርና። ሽዑ እንዳእተይ ተሲኣ ቀጥ ኢላ ደው በለት። እንዳዕትታትኩም ከዓ ንእንዳዕተይ ከቢበን ሰገዳላ።”
8
ሽዑ ኣሕዋቱ “እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ ኢኻ? ብሓቂዶኸ ኽትገዝአና ኢኻ?” በልዎ። መሊሶም ድማ፥ ብሕልምታቱን ብዘረባኡን የመና ፀልእዎ።
9
ዮሴፍ ከዓ ኻልእ ሕልሚ ሓለመ፤ ነሕዋቱውን “ካልእ ሕልሚ ሓሊመ፤ እንሆ ድማ ፀሓይን ወርሕን ዓሰርተ ሓደ ኸዋኽብትን እንትሰግዱለይ ረአኹ” ኢሉ ነገሮም።
10
ከምቲ ነሕዋቱ ዝነገሮም ነቦኡ ድማ ነገሮ፤ ኣቦኡ ኸዓ “እዝ ዝሓለምካዮ እንታይ ዝሕልሙ እዩ? ብሓቂዶ ኣነን እኖኻን ኣሕዋትካን መፂእና፥ ኣብ ምድሪ ተደፊእና ኽንሰግደልካ ኢና?” ኢሉ ገሰፆ።
11
ኣሕዋቱ ኸዓ ቐንኡሉ፤ ኣቦኡ ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልቡ ይዓቝሮ ነበረ።
12
ኣሕዋት ዮሴፍ ጥሪት ኣቦኣቶም ክጓስዩ ናብ ሴኬም ከይዶም ነበሩ።
13
እስራኤል ከዓ ንዮሴፍ “ኣሕዋትካ ኣብ ሴኬም ይጓስዩዶ ኣይኮኑን? ሕዚ ኸዓ ነዓ፤ ናብኣቶም ክልእኸካ” በሎ። ዮሴፍ ድማ “እኒሀኹ” በሎ።
14
ኣቦኡ ኸዓ “ኪድ እሞ ኣሕዋትካ ደሓን እንተ ሃልዮም፥ እተን ጥሪትውን ደሓን እንተ ሃልየን ርኢኻ፥ ወረኦም ኣምፅአለይ” ኢሉ፥ ካብ ሩባ ኬብሮን ለኣኾ። ንሱ ኸዓ ናብ ሴኬም በፅሐ።
15
ኣብቲ በረኻ ኸርተት ክብል እንተሎ ድማ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦ፤ ንሱ ኸዓ “እንታይ ትደሊ ኣለኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
16
ዮሴፍ ድማ “ኣሕዋተይ እደሊ ኣለኹ። ኣበይ ይጓስዩ ኸም ዘለዉ እንዶ በይዛኻ ንገረኒ” በሎ።
17
እቲ ሰብኣይ ከዓ “ካብዙይስ ተልዒሎም እዮም፤ ‘ናብ ዶታይን ንኺድ’ እንትብሉ ሰሚዐዮም ነይረ” በሎ። ዮሴፍ ድማ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ፥ ኣብ ዶታይን ረኸቦም።
18
ኣሕዋት ዮሴፍ ካብ ርሑቕ ረአይዎ፤ ገና ናብኣቶም ከይቀረበ እንተሎ ኸዓ፥ ክቐትልዎ ተማኸሩ።
19
ንስንሳቶም ድማ “እንሆ እቲ ሓላሚ ይመፅእ ኣሎ፤
20
ንዑ ንቕተሎ። ካብዘን ጐዳጕዲ ኣብ ሓዲአን ንደርብዮ እሞ ‘ክፉእ ኣራዊት በሊዕዎ’ ንበል። እቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና” ተበሃሃሉ።
21
ሮቤል ግና እዙይ ምስ ሰምዐ ኸድሕኖ ኢሉ “ኣይንቕተሎ፥
22
ብኢድኩም እኳ ኣይትንክእዎ፤ ኣብዝ በረኻ እዙይ ናብ ዘሎ ጕድጓድ ደርቢይዎ እምበር ደምስ ኣይተፍስሱ” በሎም። ሮቤል ከምዙይ ዝበለ፥ ካብ ኢዶም ኣድሒኑ ናብ ኣቦኡ ኽመልሶ ኢሉ እዩ።
23
ዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ ምስ በፅሐ፥ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ነዊሕ በዓል ብዙሕ ሕብሪ ፅቡቕ ቀምሹ፥ ቀንጠጥዎ።
24
ሒዞም ድማ ናብ ጕድጓድ ደርበይዎ። እቲ ጕድጓድ ማይ ዘይብሉ ንቑፅ ነበረ።
25
እንጀራ ኽበልዑ ምስ ተቐመጡ፥ እስማኤላውያን ነጋዶ ኻብ ገለዓድ ክመፁ እንተለዉ ረአዩ። ንሳቶም ኣብ ኣግማሎም ሽቱን ቀመምን ከርበን ፅዒኖም ናብ ግብፂ ዝወርዱ ነበሩ።
26
ይሁዳ ድማ ነሕዋቱ “ሓውና ቐቲልና፥ ደሙ እንተ ሓባእናስ፥ እንታይ ክዓብሰልና እዩ?
27
ንዑ ግዳ ነዞም እስማኤላውያን ንሽጦ፤ ሓውናን ስጋናን እዩ እሞ፥ ኣይንቕተሎ” በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ብዘረባኡ ተሰማምዑ።
28
እቶም ነጋዶ ሰብ ምድያም ክሓልፉ እንተለዉ፥ ንዮሴፍ ሒዞም ካብ ጕድጓድ ኣውፅእዎ፤ ብዕስራ ብሩርውን ንእስማኤላውያን ሸጥዎ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ግብፂ ወሰድዎ።
29
ሮቤል ናብቲ ጕድጓድ ተመለሰ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዮሴፍ ኣብቲ ጕድጓድ ኣይነበረን። ሽዑ ብጓሂ ኽዳኑ ቐደደ።
30
ናብ ኣሕዋቱ ተመሊሱ ድማ፥ “እቲ ቘልዓ የለን፤ ደጊም ናበይ እየ ዝኸዶ?” በለ።
31
ንሳቶም ከዓ ወጠጦ ሓሪዶም ንቐምሽ ዮሴፍ ኣብ ደም ኣለኹዎ።
32
ነቲ ቐምሽ ናብ ኣቦኣቶም ሰዲዶም “እዙይ ረኺብና እሞ ቐምሽ ወድኻ እንተ ኾይኑ ወይ እንተ ዘይኮይኑ እስኪ ረአዮ” ድማ በልዎ።
33
ያእቆብ ከዓ ነቲ ቐምሽ ዮሴፍ ኣለልዩ “እዙይ ናይ ወደይ እዩ፤ ክፉእ ኣራዊት በሊዕዎ። ዮሴፍ ብርግፅ ተበሊዑ እዩ” በለ።
34
ያእቆብ ድማ ብጓሂ ኽዳኑ ቐዲዱ፥ ኣብ ሕቘኡ ወጮ ተዓጠቐ፤ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ በኸየ።
35
ኵሎም ኣወዳቱን ኣጓላቱን ድማ ኸፀናንዕዎ መፁ። ንሱ ግና ምፅንናዕ ኣበየ፤ “ብሓዘን ናብ ወደይ፥ ናብ መቓብር ክወርድ እየ” በለ። ስለዙይ ኣቦኡ ብዛዕባኡ በኸየ።
36
ኣብ ግብፂ ድማ፥ እቶም ምድያማውያን ናብ ሓደ ኻብቶም ናይ ፈርዖን ኣዘዝቲ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝኾነ፥ ናብ ጲጥፋራ ሸጥዎ።
← Chapter 36
Chapter 38 →