bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 29
Genesis 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ያእቆብ ድማ ኻብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ምብራቓውያን ከደ።
2
እንሆ ድማ ኣብ ሜዳ፥ ዒላ ረአየ። እቲ ዒላ መጓሰታት ዝሰትያሉ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ጥቓኡ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ዐይመን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዒላ ዝነበረ እምኒ ኸዓ ዓብዪ ነበረ።
3
ኵለን መጓሰታት ናብኡ ምስ ተኣከባ፥ እቶም ጓሶት ነቲ እምኒ፥ ካብ ኣፍ እቲ ዒላ ገምጢሎም፥ ነተን ኣባጊዕ የስትይወን ነበሩ። መጓሰኦም ምስ ኣስተዩ ኸዓ፥ ነቲ እምኒ ናብ ኣፍ እቲ ዒላ መሊሶም ይገጥምዎ ነበሩ።
4
ያእቆብ ከዓ “ነቶም ጓሶት ኣቱም ኣሕዋተይ! ካበይ ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ካብ ካራን ኢና” ኢሎም መለሱሉ።
5
ንሱ ድማ “ንላባ ወዲ ናኮር ትፈልጡዎዶ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ንፈልጦ” በልዎ።
6
“ደሓንዶ ኣሎ?” ድማ በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ ደሓን ኣሎ፤ ራሄል ጓሉ እኳ እኒሃ ምስተን ኣባጊዕ ትመፅእ ኣላ” በልዎ።
7
ያእቆብ ከዓ “እንሆ፥ ገና ቐትሪ እዩ ዘሎ፥ ከፍቲ ዝእከባሉ ጊዜ ኣይኮነን። ነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ ኼድኩም ኣብልዕወን” በሎም።
8
ንሳቶም ድማ “ኵለን መጓሰታት ክሳዕ ዝእከባ፥ ነቲ እምኒ ኸዓ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ኽሳዕ ዝግምጥልዎ ኣይንኽእልን ኢና፤ ድሕሪኡ ኢና ነተን ኣብጊዕ እነስትየን” በልዎ።
9
ራሄል ባዕላ ኣባጊዕ ኣቦኣ ትጓሲ ነበረትሞ፥ ያእቆብ ገና ምስኣቶም ክዛረብ እንተሎ፥ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መፀት።
10
ያእቆብ ድማ ንራሄል ጓል ኣኮኡ ላባን ነባጊዕ ኣኮኡን ምስ ረአየ፥ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ገምጠሎ። ነባጊዕ ኣኮኡ ላባ ድማ ኣስተየን።
11
ያእቆብ ድማ ንራሄል ሰዓማ፥ ዓው ኢሉውን በኸየ።
12
ያእቆብ ድማ ንራሄል ዘመድ ኣቦኣ ወዲ ርብቃ ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸዓ ጐይያ ኸይዳ ነቦኣ ነገረቶ።
13
ላባ ወረ ያእቆብ ወዲ ሓፍቱ ምስ ሰምዐ፥ ክቕበሎ ጐየየ፤ ሓቚፉውን ሰዓሞ፤ ናብ ገዛኡ ድማ ኣእተዎ። ያእቆብ ከዓ እቲ ዅሉ ዝኾነ ነገር ንላባ ነገሮ።
14
ላባ ኸዓ “ብሓቂ ንስኻ ዓፅመ ስጋይ ኢኻ” በሎ። ወርሒ ዝኣክልውን ምስኡ ተቐመጠ።
15
ላባ ድማ ንያእቆብ “ሓወይ ስለ ዝኾንካዶ ብኸምኡ ኽተገልግለኒ ዄንካ? ዓስብኻ እንታይ ምዃኑ ደኣ ንገረኒ” በሎ።
16
ንላባ ኸዓ ኽልተ ኣጓላት ነበራኦ። ስም እታ ዓባይ ልያ፥ ስም እታ ንእሽተይ ከዓ ራሄል ነበረ።
17
ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፤ ራሄል ግና መልክዐኛ፥ ትርኢታውን ፅብቕቲ ነበረት።
18
ያእቆብ ድማ ንራሄል ይፈትዋ ስለ ዝነበረ፥ “ምእንቲ እታ ንእሽተይ ጓልካ ራሄል፥ ሸውዓተ ዓመት ከገልግለካ” በሎ።
19
ላባ ኸዓ፥ “ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፥ ንኣኻ ኽህባ ይሐይሽ፤ ምሳይ ተቐመጥ” በሎ።
20
ያእቆብ ከዓ ምእንቲ ራሄል ሸውዓተ ዓመት ኣገልገለ፤ ንኣኣ ይፈትዋ ስለ ዝነበረ ድማ ኸም ውሑዳት መዓልቲታት ኾይነን ተርአያኦ።
21
ያእቆብ ከዓ ንላባ “ጊዜይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ክምርዐዋስ ሕፂተይ ሃበኒ” በሎ።
22
ሽዑ ላባ ንዅሎም ሰብ እታ ሃገር ኣኪቡ መርዓ ገበረ።
23
ምሸት ምስ ኮነ ድማ ላባ ንልያ ጓሉ ወሲዱ፥ ናብ ያእቆብ ኣእተዋ፤ ያእቆብውን ናባኣ ኣተወ።
24
ላባ ድማ ነታ ኣገልጋሊቱ ዘለፋ ንጓሉ ልያ ኣገልጋሊት ክትኮና ሃባ።
25
ምስ ወግሐ እንሆ ንሳ ልያ ኾይና ተረኽበት፤ ያእቆብ ድማ ንላባ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ? ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኮንኩን ዘገልገልኩኻ? ስለ ምንታይ ደኣ ኣታሊልካኒ?” በሎ።
26
ላባ ድማ “ምዕባያ እናሃለወት ንምንኣሳ ምምርዓው ኣብ ሃገርና ኣይተለምደን፥
27
ነዛ ሰሙን ሕፅኖት እዚኣ ፈፅም እሞ፥ ስለ እቲ ምሳይ ካልእ ሸውዓተ ዓመት እተገልግሎ ኣገልግሎት፥ ንራሄል ድማ ኽህበካ እየ” በሎ።
28
ያእቆብ ከዓ ኸምኡ ገበረ፤ ሰሙን ሕፅኖትውን ወድአ። ብድሕሪኡ ላባ ንጓሉ ራሄል ሰበይቱ ኽትኮኖ ሃቦ።
29
ነታ ኣገልጋሊቱ ባላ ንጓሉ ራሄል ኣገልጋሊት ክትኮና ሃባ።
30
ያእቆብ ናብ ራሄል ኣተወ። ንራሄል ከዓ ኻብ ልያ ኣብሊፁ ፈተዋ። መሊሱ ድማ ኻልእ ሸውዓተ ዓመት ንላባ ኣገልገሎ።
31
እግዚኣብሄር ከዓ ልያ ኸም ዝተፀልአት ሪኡ ማህፀና ኸፈተላ፤ ራሄል ግና መኻን ነበረት።
32
ልያ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። “እግዚኣብሄር መከራይ ሪኡ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ክፈትወኒ እዩ” እንትትብል “ሮቤል” ኢላ ሰመየቶ።
33
መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። “እግዚኣብሄር ከም ዝተፀላእኹ ስለ ዝሰምዐ ነዙይ ድማ ሃበኒ” በለት፤ “ስምኦን” ኢላውን ሰመየቶ።
34
መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ “ሰለስተ ኣወዳት ወሊደሉ እየ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ናባይ ክፅጋዕ እዩ” እንትትብል፥ “ሌዊ” ኢላ ሰመየቶ።
35
መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፥ ወዲውን ወለደት። “ሕዝስ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ” በለት። “ይሁዳ” ኢላ ድማ ሰመየቶ። ሽዑ ምውላድ ኣቋረፀት።
← Chapter 28
Chapter 30 →