bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 28
Genesis 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ይስሓቅ ንያእቆብ ፀዊዑ መረቖ፤ ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፦ “ካብ ኣጓላት ከነዓን ሰበይቲ ኸይተእቱ።
2
ተሲእኻ፥ ናብ ማእኸል ክልቲኦም ኣፍላጋት ናብ እንዳ ኣቦሓጐኻ ባቱኤል ኪድ፤ ኣብኡ ኸዓ ኻብ ኣጓላት ኣኮኻ ላባ ሰበይቲ ኣእቱ።
3
እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ድማ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕኻን።
4
እዛ ተሰዲድካላ ዘለኻ፥ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝሃቦ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርሳ፥ ንኣኻን ንዘርእኻን በረከት ኣብርሃም ይሃብካ፤ ንዘርእኻውን ከማኻ።”
5
ይስሓቅ ከዓ ንያእቆብ ሰደዶ። ንሱ ድማ ናብ ማእኸል ክልቲኦም ኣፍላጋት፥ ናብ እቲ ሶርያዊ ሓው ርብቃ እኖ ያእቆብን ኤሳውን ናብ ዝኾነ ላባ ወዲ ባቱኤል ከደ።
6
ኤሳው ከዓ፥ ይስሓቅ ንያእቆብ ከም ዝመረቖ፥ ካብኡ ሰበይቲ ኸእቱ ድማ ናብ ማእኸል ክልተ ኣፍላጋት ከም ዝሰደዶ፥ ክምርቖ እንተሎውን፥ ካብ ኣጓላት ከነዓን ሰበይቲ ኸይተእቱ፥ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ፥
7
ያእቆብ ድማ ትእዛዝ ኣቦኡን እኖኡን ሰሚዑ፥ ናብ ማእኸል ክልተ ኣፍላጋት ኸም ዝኸደ ሰምዐ።
8
ኣጓላት ከነዓንውን ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሓቅ ፅሉኣት ከም ዝኾና ኤሳው ረአየ።
9
ሽዑ ኤሳው ናብ እስማኤል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንስቱ፥ ንጓል እስማኤል ወዲ ኣብርሃም ሓፍቲ ነባዮት ንማሓላት ኣእተዋ።
10
ያእቆብ ከዓ ኻብ ቤርሳቤህ ወፂኡ፥ ናብ ካራን ክኸይድ ተልዓለ።
11
ፀሓይ ዓሪባ ነበረት እሞ፥ ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በፅሐ፥ ኣብኣ ሓደረ። ካብታ ቦታ ሓንቲ እምኒ ወሲዱ ድማ ተተርኢስዋ ደቀሰ።
12
ብሕልሙ ድማ ሓንቲ ኻብ ምድሪ ናብ ሰማይ እትበፅሕ መሳልል ተተኺላ ረኣየ። መላእኽቲ እግዚኣብሄር ድማ ብኣኣ ይድይቡን ይወርዱን ነበሩ።
13
እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ደው ኢሉ፦ “ኣነ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሓቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊኣ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ።
14
ዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ባሕሪ ኽበዝሕ እዩ፤ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ እውን ብኣኻን ብዘርእኻን ክባረኹ እዮም።
15
እንሆ ኣነ ምሳኻ እየ፤ ነቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ፤ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ኽሕልወካ እየ፤ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኽመልሰካ እየ” በሎ።
16
ያእቆብ ከዓ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፥ “ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፥ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” በለ።
17
ፈሪሑ ስለ ዝነበረ ድማ “እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርሕ እያ! እዚኣ ቤት እግዚኣብሄር እያ እምበር፥ ካልእ ኣይኮነትን። እዚኣ ኣፍ ደገ ሰማይ እያ” በለ።
18
ያእቆብ ድማ ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ነታ ተተርኢሱዋ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ኸም ሓወልቲ ኽትከውን ኣቖማ፤ ኣብ ርእሳ ኸዓ ዘይቲ ኣፍሰሰላ።
19
ስም እታ ኸተማ ቕድም ሎዛ ይበሃል ነበረ። ያእቆብ ግና “ቤቴል” ኢሉ ሰመያ።
20
ያእቆብ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፥ ኣብዛ ዝኸዳ ዘለኹ መንገደይ ከዓ እንተ ሓሊዩኒ፥ ዝበልዖ እንጀራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፥
21
ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ መሊሱኒ፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ክኸውን እዩ።
22
እዛ ኸም ሓወልቲ ገይረ ዝተኸልኩዋ እምኒ ኸዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ክትከውን እያ። ካብ ኵሉ እትህበኒ ድማ ኣስራት ክህብ እየ” እናበለ ተመባፅዐ።
← Chapter 27
Chapter 29 →