bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 6
Ezekiel 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦
2
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ እምባታት እስራኤል ኣቕንዓዮ እሞ ተነበየለን።
3
በልውን፦ ኣትን እምባታት እስራኤል፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዓ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንዒላታትን ንለሰታትን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እኒሀኹ ኣነ፥ እወ ኣነ ሰይፊ ኸምፅአልኩም፥ ነቲ በረኽቲ ስፍራታትኩም ከጥፍኦ እየ።
4
መሰውኢታትኩም ክፈርስ፥ እቲ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽሰባበር፥ ነቶም ውጉኣትኩም ከዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣዖታትኩም ከውድቖም እየ።
5
ንሬሳታት ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ከንብሮ፥ ንኣዕፅምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም ክዘርዎ እየ።
6
መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኽባድምን ክዓኑን፥ ጣዖታትኩም ከዓ ኽስበርን ክጠፍእን፥ ናይ ፀሓይ ኣዕማድኩም ድማ ኽቝረፅ፥ ስራሕኹምውን ምእንቲ ኽድምሰስ፥ ንስኻትኩም ኣብ ኹሉ እትነብሩሉ፥ እተን ከተማታት ክዓንዋ እየን፤ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከዓ ኽፈርስ እዩ።
7
ተወጊኦም ዝሞቱ ኣብ ማእኸልኩም ክወድቁ እዮም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
8
“በብሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ብዙሓት ክህልዉኹም እዮም፤ በዝ ኸምዙይ ትርፊ ኽሓድገልኩም እየ።
9
እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከዓ፥ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፥ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣዖታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፥ ኣብቲ ዝማረኽዎም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ በቲ ብዅሉ ርኽሰቶም ዝገበርዎ ኽፍኣት ከዓ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም።
10
ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽፈልጡ እዮም፤ እዝ መዓት እዙይ ከምፅአሎም እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ ብኸንቱ ኣይኮነን።
11
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክወድቁ እዮም እሞ፥ ብኢድካ ኣጣቕዕ፤ ብእግርኻ ኸዓ ኾደብደብ በል፤ ብዛዕባ ዅሉ ናይ ቤት እስራኤል ርኽሰት ድማ፥ ወዮ! በል።
12
እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኽመውት፥ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸዓ ብሰይፊ ኽወድቕ፥ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ክመውት እዩ። በዝ ኸምዙይ ቍጥዓይ ኣብኣቶምም ክፍፅም እየ።
13
እቶም ውጉኣቶም ኣብ ማእኸል ጣዖታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ዀረብታ፥ ኣብ ኵሉ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ገረብ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ብርቱዕ ቘፅሊ ዘለዎ ኣውሒ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ንዅሎም ጣዖታቶም ጥዑም መዓዛ ዝዓጥኑሉ ስፍራ ምስ ኮኑ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
14
ኣነ ኸዓ ኢደይ ክዝርግሐሎም እየ፤ ነታ ምድሪ ድማ፥ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፥ ካብ በረኻ ዴብላታ እትገድድ ባዶን ፅምዋን ክገብራ እየ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።”
← Chapter 5
Chapter 7 →