bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 5
Ezekiel 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ንስኻ ድማ፥ ኣታ ወዲ ሰብ፥ ከም መላፀ ላፃዪ ዝበለ በሊሕ ሰይፊ ውሰድ እሞ፥ ርእስኻን ጭሕምኻን ተላፀየሉ፤ ሚዛን ወሲድካውን ነቲ ፀጕሪ ምቐሎ።
2
መዓልቲታት ምኽባብ ምስ ተፈፀመ፥ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእኸል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንድዶ፤ ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ፥ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፤ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፤ ኣነ ድማ ደድሕሪኣቶም ሰይፊ ኽመዝዝ እየ።
3
ካብኡውን ውሑድ ዝቝፅረን ውሰድ እሞ፥ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ቛፅረን።
4
ካብ እዚኣተን ከዓ መሊስካ ውሰድ፤ ኣብ ማእኸል ሓዊ ድማ ደርብየን፥ ብሓዊውን ኣቃፅለን፤ ድሕሪዙይ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ሓዊ ኽወፅእ እዩ።”
5
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዚኣስ ኢየሩሳሌም እያ፤ ኣነ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣንበርክዋ፤ ሃገራትውን ኣብ ዙርያኣ ኣለዋ።
6
ንፍርደይ ንዒቖም፥ ከም ሕግጋተይ ኣይተመላለሱን እዮም እሞ፥ ንሳ ብሓጢኣታ ካብ ኣህዛብ ገዲዳ ንፍርደይ ተፃረረቶ፤ ካብተን ከቢበንኣ ዘለዋ ሃገራት ገዲዳ ድማ ንሕግጋተይ ኣፍረሰቶ።”
7
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት ገዲድኩም ስድታት ስለ ዝኾንኩምን ከም ሕግጋተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን፥ ፍርደይ ስለ ዘይገበርኩምን፥ ከም ፍርዲ እቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት እኳ ስለ ዘይገበርኩምን”
8
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ እመፀኪ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝብታት ከዓ፥ ኣብ ማእኸልኪ ፍርዲ ኸውፅእ እየ።
9
ብሰንኪ ዅሉ ርኽሰትኪ ኸዓ፥ ገይረዮ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪዙይውን ከቶ ዘይገብሮ፥ ክገብረኪ እየ።
10
ስለዙይ ኣብ ማእኸልኪ ወለዲ ንውሉዶም፥ ውሉድ ድማ ንወለዶም ክበልዑ እዮም፤ ፍርዲ ኣባኺ ኽፍፅም፥ ንዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።”
11
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ህያው እየ፤ ብርግፅ ንመቕደሰይ፥ ብዅሉ ፅዩፍ ነገርክን ብዅሉ ርኽሰትክን ኣርከስክዮ፤ ስለዙይ ኣነ ድማ ኸንእሰኪ፥ ዓይነይ ንኣኺ ኣይርህርህን፤ ኣነውን ኣይሓዝነልክን።
12
ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።
13
“ቍጥዓይ ሕነኡ ኽወፅእ፥ ቍጥዓይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክዝሕል እዩ፤ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ቍጥዓይ ኣብኣቶም ምስ ኣዝሓልኩ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብቕንኣተይ ከም እተዛረብኩ ኽፈልጡ እዮም።
14
ኣብቶም ከቢቦምኺ ዘለዉ ኣህዛብን፥ ኣብ ዓይኒ እቶም ብእኡ ዝሓልፉ ዅላቶምን ከዓ፥ ምድረ በዳን መፃረፍን ክገብረኪ እየ።
15
“ብቝጥዓን ብመዓት ቍጥዓን ምስ ፈረድኩኺ፥ እዙይ ኣብቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ህዝብታት፥ ንመፃረፍን ንመላገፅን ንመለበምን ንመሰክሕን ክኸውን እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።
16
ንጥፍኣቶም ዝኸውን፥ ናይ ጥሜት ክፉእ ፍላፃ፥ ኣብ ርእሶም ምስ ሰደድኩ፥ ምእንቲ ኸጥፍአኩም ክሰዶ እየ፤ ነቲ ጥሜትኩም ከግድዶ እየ፤ ንምርኩስ እንጀራኹምውን ክሰብሮ እየ።
17
ጥሜትን ንደቅኹም ዝቐትሉ ኣራዊትን ክሰደልኩም፥ ፌራን ደምን ከዓ ብማእኸልኪ ኽሓልፍ እዩ፤ ሰይፊ እውን ከተስአልኪ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እዙይ ተዛሪበ ኣለኹ።”
← Chapter 4
Chapter 6 →