bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 48
Ezekiel 48
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ስማት እቶም ነገድ እዙይ እዩ፤ ካብ ወገን ሰሜን ሒዙ ብጥቓ መንገዲ ሃትሎን ክሳዕ ሃማትን ክሳዕ ኣሶር ዔናንን ወሰን ደማስቆ ናብ ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ሃማት ኣቢሉ፥ ካብ ምብራቕ፥ ክሳዕ ምዕራብን ንዳን ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
2
ኣብ ወሰን ዳን ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ፥ ንኣሴር ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
3
ኣብ ወሰን ኣሴር ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ፥ ንንፍታሌም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
4
ኣብ ወሰን ንፍታሌም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንምናሴ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
5
ኣብ ወሰን ምናሴ ኸዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
6
ኣብ ወሰን ኤፍሬም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንሮቤል ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
7
ኣብ ወሰን ሮቤል ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንይሁዳ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
8
ኣብ ወሰን ይሁዳ ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ እቲ እተቕርብዎ መባእ ይኹን፤ ወርዱ ዕስራን ሓሙሽተን እመት፥ ምንዋሑ ኸዓ ኻብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን፤ እታ መቕደስ ድማ ኣብ ማእኸሉ ትኹን።
9
እዛ ንእግዚኣብሄር እተቕርቡሉ መባእ፥ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ትኹን።
10
እዛ ቅድስቲ መባእ እዚኣ ንኻህናት ትኹን። ንሰሜን ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ንምዕራብ ከዓ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፥ ንምብራቕ ድማ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፥ ንደቡብ ከዓ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እዩ፤ እታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ማእኸላ ትኹን።
11
እዚኣ ነቶም፥ እቶም ደቂ እስራኤል ክስሕቱ እንተለዉ፥ ከምቶም ዝስሕቱ ሌዋውያን ዘይሰሓቱ ዝተቐደሱ፥ ንኣገልግሎተይውን እተሓረዩ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ትኹን።
12
እዚኣ ኻብታ ኣብ ወሰን ሌዋውያን ዘላ፥ የመና ቅድስቲ ዝኾነት መባእ ምድሪ፥ ንኣኣቶም መባእ ትኹነሎም።
13
ኣብ ወሰን እታ ናይ ካህናት ከዓ፥ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ንሌዋውያን ትኹን፤ ምንዋሓ ዅላዅላ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ እያ።
14
እዚኣ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰት እያ እሞ፥ ካብኣ ኣይሽጡ ኣይለውጡውን፤ እዛ በዅራት ምድሪ እዚኣ፥ ናብ ካልእ ኣይትሕለፍ።
15
እታ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዘላ፥ ካብቲ ወርዲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ሽሕ ግና፥ ነታ ኸተማ ንሓባራዊ ጉዳይ ዝውዕልን ንመንበሪን ንመውፈሪን ይኹን፤ እታ ኸተማውን ኣብ ማእኸሉ ትኹን።
16
ልክዓ ኸዓ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ብወገን ደቡብ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ብወገን ምብራቕ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፥ ብወገን ምዕራብውን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ።
17
እቲ ኣብ ከባቢ እታ ኸተማ ዘሎ ቦታ ድማ፥ ብሰሜን ክልተ ሚእትን ሓምሳን፥ ብደቡብ ክልተ ሚእትን ሓምሳን፥ ብምዕራብውን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ይኹን።
18
እታ ተረፍ ናይቲ ምንዋሕ ብኣንፃር እታ ቅድስቲ መባእ፥ ኣብ ምብራቕ ኣቢላ ዓሰርተ ሽሕ ትኹን፤ እዚኣ ኣንፃር እታ ቅድስቲ መባእ እያ፤ እቶታውን ምግቢ እቶም ሰራሕተኛታት እታ ኸተማ ይኹን።
19
እቶም ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ዝኾኑ ኣብታ ኸተማ ዝሰርሑ ኸዓ ነታ ምድሪ ይሕረስዋ።
20
እታ መባእ ኵላዅላ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፥ ወርዳ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ትኹን፤ ንርስቲ እታ ኸተማ ዝኸውን ራብዓይ ክፍሊ እታ ቅድስቲ መባእ ኣልዕሉ።
21
እቲ ዝተረፈ ነቲ ሓለቓ ይኹን፤ በዙይን በቱይን እታ ቅድስቲ መባእ ርስቲ እታ ኸተማ፥ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፥ እታ መባእ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ፥ ኣብ ምዕራብ ከዓ ኣብ ኣንፃር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ናብ ወሰን ምዕራብ ዘብል፥ ማዕረ ማዕረ እቲ ኽፍልታት ዘሎ፥ ነቲ ሓለቓ ይኹን፤ እታ ቅድስቲ መባእን መቕደስ እታ ቤትን ከዓ፥ ኣብ ማእኸል ይኹና። ካብቲ ኣብ ማእኸል ናይ ሓለቓ ዘሎ ርስቲ ሌዋውያንን ርስቲ እታ ኸተማን፥ ኣብ መንጎ ወሰን ይሁዳን ወሰን ብንያምን ዘሎ፥ ነቲ ሓለቓ ይኹን።
23
ነቶም ዝተረፉ ነገድ ድማ፥ እዙይ እዩ፤ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንብንያም ይኹን።
24
ኣብ ወሰን ብንያም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንስምኦን ይኹን።
25
ኣብ ወሰን ስምኦን ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንይሳኮር ይኹን።
26
ኣብ ወሰን ይሳኮር ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንዛብሎን ይኹን።
27
ኣብ ወሰን ዛብሎን ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ሓደ ኽፍሊ ንጋድ ይኹን።
28
ኣብ ወሰን ጋድ ድማ፥ ካብ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ፥ ወሰኑ ኻብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፥ ክሳዕ እቲ ሩባ ግብፂ፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይኹን።
29
እታ ንነገዳት እስራኤል ዕፃ ኣውዲቕኩም ርስቲ እተማቕልዎም ምድሪ እዚኣ እያ፤ እተን ግዴታታት ከዓ እዚኣተን እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
30
መውፅኢታት እታ ኸተማ ድማ እዙይ እዩ፤ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ።
31
ደገታት እታ ኸተማ ኸዓ፥ ብስም ነገዳት እስራኤል ይፀውዓ፤ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ሰለስተ ደገ፥ ደገ ሮቤል ሓንቲ፥ ደገ ይሁዳ ሓንቲ፥ ደገ ሌዊ ሓንቲ።
32
ብወገን ምብራቕ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ደገታትውን ሰለስተ ደገ ዮሴፍ ሓንቲ፥ ደገ ብንያም ሓንቲ፥ ደገ ዳን ሓንቲ።
33
ብወገን ደቡብ ከዓ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ፤ ደገታትውን ሰለስተ፥ ደገ ስምኦን ሓንቲ፥ ደገ ይሳኮር ሓንቲ፥ ደገ ዛብሎን ሓንቲ።
34
ብወገን ምዕራብ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፥ ደገታትውን ሰለስተ፥ ደገ ጋድ ሓንቲ፥ ደገ ኣሴር ሓንቲ፥ ደገ ንፍታሌም ሓንቲ እዩ።
35
ዙርያኡ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ እመት እዩ፤ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸዓ፥ ስም እታ ኸተማ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።
← Chapter 47