bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 47
Ezekiel 47
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤተ መቕደስ መለሰኒ፤ ገፅ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዝርኢ እሞ፥ እንሆ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ፤ እቲ ማያት ከዓ ኻብ ታሕቲ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፥ ነታ መሰውኢ ድማ ብወገን ደቡባ ይወርድ ነበረ።
2
ድሕሪዙይ ብመንገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውፅአኒ፤ ብመንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፥ ናብታ ኣብ ወፃኢ ዘላ ደገ ብወፃኢ ኣዞረኒ፤ እንሆ ኸዓ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ።
3
እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽወፅእ እንተሎ፥ ዝእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፤ ብእኡ ኸዓ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ኣሳገረኒ፤ ክሳዕ ክሳድ እግረይውን በፅሐ።
4
መሊሱ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያት ድማ ኽሳዕ ኣብራኸይ በፅሐ፤ ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፤ በቲ ማያት ከዓ ኣሳገረኒ፤ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በፅሐ።
5
ድሕሪዙይ ሽሕ እመት ኣመተ፤ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሕጅ ኮይኑ እዩ እሞ፥ ኣነ ኽሳገሮ ዘይከኣለኒ ውሕጅ ኮነ።
6
ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ትርኢዶ ኣለኻ?” በለኒ። ሽዑ ወሰደኒ፤ ናብ ወሰን እቲ ውሕጅ ድማ መለሰኒ።
7
ምስ ተመለስኩ፥ እንሆ ወሰና ወሰን እቲ ውሕጅ፥ በዙይን በቱይን ብዙሕ ኣእዋም ነበሮ።
8
በለኒ ድማ “እዝ ማያት እዙይ፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣሎ፤ ናብ ጐልጐል ክወርድ፥ ናብ ባሕሪ ኸዓ ኽበፅሕ እዩ፤ ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ እቲ ማያት ክፍወስ እዩ።
9
ክኸውን ድማ እዩ፥ ኣብቲ እዝ ውሕጅ እዙይ ዝበፅሖ፥ ኵሉ ዝዋሳወስ ህያው ነፍሲ፥ ብህይወት ክነብር እዩ፤ ዓሳታት ከዓ ኣዝዮም ክበዝሑ እዮም፤ እዚ ማያት እዙይ ክኣትዎ እዩ እሞ፥ እቲ ማያት ባሕሪ ኽፍወስ እዩ፤ እቲ ውሕጅ ኣብ ዝኣተዎ ድማ፥ ኵሉ ብህይወት ክነብር እዩ።
10
ክኸውን ከዓ እዩ፥ ኣስገርቲ ዓሳ ኣብኡ ክቖሙ፥ ካብ ዔይንጋዲ ኽሳዕ ዔይን ኤግላይም፥ መዘርግሒ መርበብ ክኸውን እዩ፤ ዓሳታት፥ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፥ በብዓይነቶም የመና ብዙሓት ኣብኡ ኽህልዉ እዮም።
11
ዓዘቕቱን ዕቋሩን ግና፥ ጨው ኮይኑ ኽነብር እዩ እምበር፥ ኣይፍወስን እዩ።
12
ወሰና ወሰን እዚ ሩባ በዙይን በቱይን፥ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ፤ ኣቝፅልቱ ኣይፅምሉን፤ ፍረኡውን ኣይውዳእን እዩ፤ ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፥ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፥ ፍረታቱ ንምግቢ፥ ኣቝፅልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።”
13
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፥ ወሰናታ እዙይ እዩ፤ ዮሴፍ ክልተ ዕፃ ኽረክብ እዩ።
14
እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ፥ ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩላ ምድሪ፥ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ።
15
“ወሰናት እታ ምድሪ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ፥ በታ መንገዲ ሔትሎን ኣቢሉ ክሳዕ ፅዳድ፥
16
ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማት ቤሮታ ሲብራይም፥ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓፃር ሓቲኮን።
17
እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓፃር ዔናን ወሰን ደማስቆ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰሜን ድማ ወሰን ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ሰሜን እዩ።
18
“ብወገን ምብራቕ ድማ፥ ኣብ ማእኸል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስ እዩ፤ ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም፤ እዙይ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ።
19
“እቲ ወሰን ደቡብ ከዓ፥ ናብ ደቡብ ኣቢሉ፥ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፥ በቲ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ፤ እዙይ እቲ ናብ ደቡብ ዘብል ወሰን ደቡብ እዩ።
20
“እቲ ወገን ምዕራብ ድማ፥ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንፅር ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ።
21
“ነዛ ምድሪ እዚኣ፥ ከከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ።
22
ክኸውን ድማ እዩ፥ ንኣኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ውሉድ ዝወልዱ ጓኖትን፥ ርስቲ ጌርኩም ብዕፃ ምቐልዋ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ከም ደቂ ዓድኹም ክኾኑልኩም እዮም፤ ርስቲ ኽርስተዩ እዮም።
23
ክኸውን ድማ እዩ፥ ነቲ ጓና ኣብታ ዝነብረላ ነገድ፥ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 46
Chapter 48 →