bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 45
Ezekiel 45
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እምበኣርከስ ነታ ምድሪ ርስቲ ኽትኮነኩም፥ ብዕፃ ኽትማቐልዋ እንተለኹም፥ ካብታ ምድሪ እተቐደሰ ኽፍሊ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ክተቕርቡ ኢኹም፤ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ዓሰርተ ሽሕ እመት ክኸውን፥ ኣብ ዙርያኣ ብዅሉ ወሰናውን ቅድስቲ ኽትከውን እያ።
2
ካብዙይ ድማ ኣርባዕተ መኣዝና ማዕረ ማዕረ ዝኾነ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝምንዋሓ፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝወርዳ፥ ንመቕደስ ክኸውን እዩ፤ ሓምሳ እመትውን ኣብ ዙርያኣ፥ ጥራሑ ኻብ ዝነብር ቦታ ኽውሰኻ እዩ።
3
ካብዝ ልኩዕ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፥ ዓሰርተ ሽሕ እመት ዝወርዳ ኣምት፤ ኣብኣ እታ መቕደስ ቅድስተ ቅዱሳን ትኹን።
4
እዛ ቕድስቲ ግደ እታ ምድሪ፥ ነቶም ኣገልገልቲ መቕደስ ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ዝቐርቡ ኻህናት ክትከውን እያ፤ ነባይቶም ስፍራ፥ ንመቕደስውን ቅዱስ ቦታ ኽትከውን እያ።
5
ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፥ ዓሰርተ ሽሕ ዝወርዳ፥ ነቶም ኣብታ ቤት ዘገልግሉ ሌዋውያን ዕስራ ኽፍሊ ቤት፥ ንርስቶም ክትከውን እያ።
6
ንርስቲ እታ ኸተማ ኸዓ ኣብ ኣንፃር እታ ዝወፈኹምዋ መባእ፥ እታ ቅድስቲ ኽፍሊ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ዝወርዳ፥ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ መድቡ፤ እዚኣ ንብዘሎ ቤት እስራኤል ትኹን።
7
ነቲ ሓለቓ ድማ፥ በዙይን በቱይን እታ ቅዱስ መባእ ኮይና እተወፈየት ምድርን፥ ርስቲ እታ ኸተማን፥ ኣብ መንፅር እታ እተቐደሰት መባእን፥ ኣብ መንፅር ርስቲ እታ ኸተማን፥ ምዕራባ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ምብራቓ ድማ ናብ ወገን ምብራቕ ክኸውን እዩ፤ ምንዋሓ ኸዓ ኻብ ወሰን ምዕራብ ሒዙ፥ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ክኸውን እዩ።
8
እቶም ኣሕሉቕ ከዓ፥ እታ ምድሪ ንቤት እስራኤል ከከም ነገዶም ክህብዎም እዮም እምበር፥ ድሕሪዙይ ንህዝበይ ኣይገፍዕዎምን፤ እዚኣስ ምድሩ፥ ኣብ እስራኤል ድማ ርስቱ ኽትከውን እያ።
9
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ኣሕሉቕ እስራኤል፥ ደጊም ይእኸልኩም፤ ዓመፃን ብዝበዛን ሕደጉ፤ ቅንዕናን ፅድቅን ግበሩ፤ ግፍዕኹም ካብ ህዝበይ ኣርሕቑ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
10
“ሓቀኛ ሚዛን፥ ሓቀኛ ኢፍ፥ ሓቀኛ ናይ ባዶስ መስፈሪ ይሃሉኹም።
11
“ናይ ኢፍን ናይ ባዶስን ልክዑ ማዕረ ይኹን፤ እቲ ናይ ባዶስ መስፈሪ ዓስራይ ኣፍ ቆሮስ፥ እቲ ኢፍ ከዓ ዓስራይ ኣፍ ቆሮስ ይኹን፤ እቲ ቆሮስውን እተለክዐ ይኹን።
12
“ሓደ ሰቕሊ ዕስራ ጌራ ዝሕዝ ይኹን፤ እቲ ምናን ከዓ፥ ዕስራ ሰቕሊ ዕስራን ሓሙሽተን ሰቕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰቕሊ፥ ምናን ይኹነልኩም።
13
“እቲ ንስኻትኩም እተቕርብዎ መባእ እዙይ እዩ፤ ካብ ሓደ መስፈሪ ቆሮስ ስርናይ ሻድሻይ ኣፍ ናይ ኢፍ፥ ካብ ሓደ ቆሮስ መስፈሪ ስገም ድማ፥ ሻድሻይ ኣፍ ናይ ኢፍ ወፍዩ።
14
“ናይ ዘይቲ ሕጊ፥ ናይቲ ባዶስ ዘይቲ ኸዓ እዙይ እዩ፤ ዓሰርተ ባዶስ፥ ሓደ ቆሮስ እዩ እሞ፥ ካብ ሓደ ቆሮስ ዓስራይ ኣፍ ባዶስ ይወፈ፤ እቲ ቆሮስ ድማ፥ ዓሰርተ ባዶስ ዝሕዝ ቆሮስ እዩ።
15
“ንኣኣቶም ዝኸውን መቤዘዊ ንምግባር፥ ንመስዋእቲ ብልዕን ንዝቃፀል መስዋእትን፥ ንመስዋእቲ ምስጋናን፥ ካብቲ ማይ ዘለዎ መውፈሪ እስራኤል፥ ካብ መጓሰ ኻብ ክልተ ሚእቲ፥ ሓንቲ በጊዕ ክትውፈ እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16
“ብዅሎም ህዝቢ እታ ምድሪ፥ ነዝ መባእ እዙይ፥ ነቲ ሓለቓ እስራኤል ክህብዎ ይግብኦም እዩ።
17
ሓላፍነት እቲ ሓለቓ፥ ብበዓላትን ብሰርቂ ወርሕን ብሰናብትን፥ ብዅሉ በዓላት ዓመት ቤት እስራኤልን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ብልዕን፥ መስዋእቲ መስተን ክውፊ እዩ። ንሱ ንቤት እስራኤል መቤዘዊ ምእንቲ ኽገብረሎም፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን፥ መስዋእቲ ብልዕን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርብ እዩ።”
18
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ንስኻ ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ ክትወስድ ኢኻ እሞ፥ ነታ መቕደስ ክተንፅሃ ኢኻ።
19
እቲ ኻህን ድማ፥ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ክወስድ፥ ኣብ ልዳት እታ ቤትን፥ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ሕዳጋት መሰውእን፥ ኣብ ልዳት ደገ እታ ውሽጣዊት ዓፀድን ክነፅግ እዩ።
20
ብሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ፥ ስለ እቲ ዝበደለን፥ ስለ እቲ ብገርሁ ዝሰሓተን፥ ከምኡ ኽትገብር ኢኻ፤ ነታ ቤትውን ከምኡ ኽትቢዘውዋ ኢኹም።
21
“በታ መጀመርታ ወርሒ ኻብታ ወርሒ፥ ከዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ፋሲካ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ይኹነልኩም፤ ቅጫውን ክትበልዑ ኢኹም።
22
በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ሓለቓ፥ ብናይ ርእሱን ብናይ ኵሉ ህዝቢ እታ ምድርን፥ ሓደ ዝራብዕ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከቕርብ እዩ።
23
በዘን ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ድማ፥ ጕድለት ዘይብሎም ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን፥ ኣብ ፀፅባሕ እዘን ሸውዓተ መዓልቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ኣብ ፀፅባሕ ከዓ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዲበላ ኸቕርብ እዩ።
24
ንሱ ድማ መስዋእቲ ብልዒ፥ ንነፍሲ ወከፍ ዝራብዕ ሓደ ኢፍ፥ ንነፍሲ ወከፍ ማጕላ ከዓ ሓደ ኢፍ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኢፍውን ሓደ ኢን ዘይቲ ኸቕርብ እዩ።
25
“ኣብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ በዝ በዓል እዙይ ሸውዓተ መዓልቲ ኸምቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፥ ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ናይ እኽሊ ቝርባን ምስ ዘይቲ ኸምኡ የቕርብ።”
← Chapter 44
Chapter 46 →