bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ezekiel 44
Ezekiel 44
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ናብ መንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ወፃኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፤ ዕፅውቲ ኸዓ ነበረት።
2
እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፥ እዛ ደገ እዚኣ ዕፅውቲ ትኹን፤ ኣይትከፈት ሰብውን ኣይእተዋ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ፥ ስለዙይ ብዕፅውታ ትንበር።
3
እቲ ሓለቓ ድማ ኸም ሓለቓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጀራ ኽበልዕ ኣብኣ ኽቕመጥ እዩ፤ ንሱ ብመንገዲ ደገ እታ ገበላ ኽአቱ፥ ብኣኣ ኣቢሉውን ክወፅእ እዩ።
4
ድሕሪዙይ ድማ ብመንገዲ እታ ደገ ሰሜን ኣቢሉ፥ ናብ ቅድሚ እታ ቤት ኣምፅአኒ። ጠመትኩ፤ እንሆ ኸዓ ኽብሪ እግዚኣብሄር፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዋ ነበረ። ኣነውን ብገፀይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ።
5
እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነዚ ኣነ ብዛዕባ ዅሉ ስርዓት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኵሉ ሕግጋታን ዝነግረካ ዘለኹ፥ ልብኻ ኣውድቐሉ፤ በዒንትኻ ድማ ተመልከቶ፤ በእዛንካውን ስምዓዮ። ንመእተዊ እታ ቤትን፥ ንዅሉ መውፅኢ እታ ቤተ መቕደስን፥ ኣፀቢቕካ ኣስተብህለሉ።
6
“ነዞም ዓመፅቲ ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ በሎም፦ ኣቱም ቤት እስራኤል ኵሉ ርኽሰትኩም ይእኸልኩም።
7
እንጀራን ስብሕን ደምን ክተቕርቡ እንተለኹም፥ ንቤተይ ከርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገርዘ፥ ስጋኦምውን ዘይተገርዘ ጓኖት፥ ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዎም ኢኹም እሞ፥ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ርኽሰትኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ።
8
ኣብታ መቕደሰይ ንኣኣቶም ክንዲ ኽንዳኻትኩም፥ ንኣገልግሎተይ መረፅኩምዎም እምበር፥ ነቲ ቕዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን።”
9
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ካብቶም ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ዘለዉ ጓኖት፥ ልቡ ዘይተገርዘ፥ ስጋኡውን ዘይተገርዘ፥ ሓደ ወዲ ጓና እኳ ናብ መቕደሰይ ኣይእቶ።”
10
እቶም ብስሕተት እስራኤል ካባይ ዝረሓቑ፥ ንጣዖታቶም ክስዕቡ ኻባይ ዝረሓቑ ሌዋውያን ግና፥ ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም።
11
ኣብ ደገታት እታ ቤት ከዓ ሓለውቲ ክኾኑ፥ ኣብታ ቤት ከገልግሉስ፥ ኣብ መቕደሰይ ኣገልገልቲ ክኾኑ እዮም፤ ንሳቶም ንዝቃፀል መስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ እቲ ህዝብን ክሓርዱ ምእንቲ ኸገልግልዎም ከዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ክቖሙ እዮም።
12
ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ኣገልጊሎምዎም፥ ንቤት እስራኤል ከዓ መዐንቀፊ ሓጢኣት ኮይኖምዎም እዮም እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም፥ ኢለ፥ ኢደይ ኣልዓልኩሎም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
13
“ንሳቶም ድማ ነውሮምን፥ ነቲ ዝገበርዎ ፅያፎምን ደኣ ኽፆሩ እዮም እምበር፥ ብመዓርግ ክህነት ከገልግሉኒ፥ ናብቲ እተቐደሰ ነገረይ፥ ናብቲ ቕድስተ ቕዱሳን ነገር፥ ናባይ ኣይቐርቡን እዮም።
14
ንዅሉ ስራሓን፥ ነቲ ኣብኣ ዝግበር ኵሉን፥ ሓለውቲ እታ ቤት ክኾኑ ኽሓርዮም እየ።”
15
“እቶም ደቂ እስራኤል ካባይ ክርሕቑ እንተለዉ፥ ንምሕላው መቕደሰይ እተፀምዱ፥ ካብ ወገን ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ከገልግሉኒ ኢሎም ክቐርቡኒ፥ ስብሕን ደምን ክስውኡለይ፥ ኣብ ቅድመይ ዝቖሙ እዚኣቶም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16
ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ክኣትዉ፥ ከገልግሉንስ ናብ ማእደይ ክቐርቡ፥ ንኣገልግሎተይውን ክመርፁ እዮም።
17
ብደገታት እታ ውሽጣዊት ዓፀድ ክኣትዉ እንተለዉ፥ ካብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ኣልባሳት ክለብሱ እዮም፤ ኣብ ደገታት እታ ውሽጣዊት ዓፀድን፥ ኣብ ውሽጥን ከገልግሉ እንተለዉ ዝኾነ ናይ በጊዕ ጨጉሪ ኣይኽደኑን እዮም።
18
ኣብ ኣራእሶም ናይ ልሕፂ እንጣጢዕ ሻሽ ክጥምጥሙ፥ ኣብ ሕቘኦምውን ናይ ልሕፂ እንጣጢዕ ስረ ኽዕጠቑ፥ ዘርህፅ ነገር ኣይዕጠቑን እዮም።
19
ናብ ወፃኢ ዓፀድ፥ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዓፀድ ዘሎ ህዝቢ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብኣልባሳቶም ነቲ ህዝቢ ኸይቕድስዎስ፥ እቲ ዘገልገሉሉ ኣልባሳት ከውፅእዎ፥ ኣብ ቅዱስ ክፍልታት ቤት ከዓ ኸንብርዎ፥ ካልእ ክዳውንቲ እውን ክኽደኑ እዮም።
20
“ነቲ ፀጕሪ ርእሶም፥ በብሓፂሩ ደኣ ኽቘርፅዎ እዮም እምበር፥ ርእሶም ኣይላፅዩን፤ ፀጕሮም ድማ ኣየንውሑን እዮም።
21
ካህን ዝኾነ ዅሉ፥ ናብቲ ውሽጢ ዓፀድ ክአቱ እንተሎ ወይኒ ኣይሰትን እዩ።
22
ካብ ዘርኢ ቤት እስራኤል ዝኾነት ድንግል ወይ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ደኣ ኸእትዉ እዮም እምበር፥ መበለት ወይ ፍትሕቲ ኣየእትዉን እዮም።
23
“ንሳቶም ንህዝበይ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ክምህርዎ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ምልላይ ከዓ ኸፍልጥዎ እዮም።
24
ኣብ ምጕት ፈራዶ ኾይኖም ክቖሙ፥ ከምቲ ፍርደይ ገይሮም ከዓ ኽፈርዱ እዮም፤ ብዅሉ በዓላት ዓመተይ፥ ንሕግጋተይን ንስርዓተይን ክሕልዉ፥ ሰናብተይውን ክቕድሱ እዮም።
25
“ከይረኽሱ፥ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ፤ በቦን እኖን ብወድን ጓልን ብሓውን ብዘይአእተወት ሓፍትን ጥራሕ ይርከሱ።
26
ድሕሪ ምንፃህ ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝፀሩሉ።
27
በታ ኣብታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መቕደስ ከገልግል፥ ኣብ መቕደስ ዝኣትወላ መዓልቲ ኸዓ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
28
“ርስቲ ይኹኖም፤ ኣነ እየ ርስቶም፤ ኣብ እስራኤል ግደ ኣይትሃብዎም፤ ግደኦም ኣነ እየ።
29
ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን ይብልዕዎ፤ እስራኤል ዝሓረምዎ ዘበለውን ንኣኣቶም ይኹን።
30
ኵሉ በዅሪ ፍርያትኩምን፥ ኵሉ መባእኹም ዝኾነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን፤ ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኽሓድራ፥ በዅሪ ሕሩጭኩም ብዛዕባኡ ሃቡ።
31
እቶም ካህናት ካብ ኣዕዋፍ ወይ ካብ ከፍቲ ባዕሉ ሞይቱ ዝበኸተን ወይ ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብልዑ” ድማ በለኒ።
← Chapter 43
Chapter 45 →