bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 26
Exodus 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ብዓሰርተ ዓለባታት ጌርካ ድንኳን ስራሕ። ነቲ ዓለባ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ። ክኢላታት ሰባት ድማ ብጥልፊ፥ ምስሊ ኪሩቤል ይስኣሉሉ።
2
ዓቐን እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ዕስራን ሸሞንተን እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን።
3
ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግቦ፤ ነቲ ኻልእ ሓሙሽተ ዓለባታትውን ብሓደ ኣላግቦ።
4
ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ብሓደ ዝተላገበ ዓለባ፥ ብሰማያዊ ፈትሊ ቐለበታት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ኸዓ ኸምኡ ግበር።
5
ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ኸዓ ሓምሳ ቐለበት ግበር። እቲ ቐለበታት ንስንሳቱ መረኣእይቲ ይኹን።
6
ብወርቂ ጌርካ ሓምሳ መቘለፊ ስራሕ። እቲ መሕደሪ ድንኳን ሓደ ምእንቲ ክኸውን ከዓ፥ ነቲ ዓለባታት በቲ ቝልፊ ንስንሳቱ ኣጋጥሞ።
7
“ኣብ ልዕሊ እቲ መሕደሪ ድንኳን ዝድረብ ድማ፥ ብፀጕሪ ጤል ጌርካ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ስራሕ።
8
ዓቐን እቲ ዓሰርተ ሓደ ዓለባታት ማዕረ ይኹን፤ ምንዋሑ ሰላሳ እመት፥ ወርዱ ኸዓ ኣርባዕተ እመት ይኹን።
9
ነተን ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ከምኡ ኸዓ ነተን ሽዱሽተ ዓለባታት ብሓደ ኣላግበን። ነታ ሻድሸይቲ ዓለባ ብወገን ቅድሚት እቲ ድንኳን ደርባ።
10
ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ዓለባ ሓምሳ ቐለበት ግበር። ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ዝተላገበ ኻልኣይ ዓለባ ድማ ሓምሳ ቐለበት ግበር።
11
ብነሃስ ጌርካ ሓምሳ መቘለፊ ስራሕ። እቲ መደረብታ ሓደ ምእንቲ ክኸውን፥ ነቲ መቘለፊ ናብቲ ቐለበታት ኣእትዎ።
12
ፍርቂ ናይቲ ዝተረፈ ዓለባ፥ ነቲ ናይቲ ድንኳን ዳሕረዋይ ወገን ይኽደኖ።
13
እቲ ብኽልተ ጐኑ፥ እመት በዙይ፥ እመት በቱይ፥ ሕልፊ ዘለዎ መደረብታ ዓለባታት፥ ብኽልተ ወገኑ ተንጠልጢሉ ነቲ ድንኳን ይኽደኖ።
14
“ነቲ መደረብታ ኸዓ ብዝተቐረፀ፥ ቈራብቲ ማጓሉ ጌርካ መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብቘርበት እንስሳ ባሕሪ ጌርካ መኽደን ግበረሉ።
15
“ነቲ ድንኳን ድማ ኻብ ዕንፀይቲ ሰራው ዝተፀርበ ደው ዝብል ሉሕ ግበረሉ።
16
ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት፥ ምግፋሑ ኸዓ እመትን ፈረቓን ይኹን።
17
እቲ ሉሕ ንስንሳቱ ምእንቲ ኽገጣጠም ከክልተ ጉጭ ዘለዎ ይኹን። ንዅሉ ነቲ ናይ ድንኳን ሉሕ ከዓ ኸምኡ ጌርካ ስርሓዮ።
18
ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ከዓ፥ ዕስራ ሉሕ ግበር።
19
ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ፥ ብብሩር ጌርካ ኣርብዓ መርገፂ ስራሕ። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ጉጭ ዘለዎ ሉሕ ክልተ መርገፂ ግበረሉ።
20
ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ድማ ዕስራ ሉሕ ግበር።
21
ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ ዝኸውን፥ ብብሩር ጌርካ፥ በብኽልተ፥ ኣርብዓ መርገፂ ስራሕ።
22
ብድሕሪ እቲ ድንኳን፥ ማለት ብወገን ምዕራቡ ሽዱሽተ ሉሕ ግበር።
23
ነቲ ድንኳን ብወገን ድሕሪቱ ንመኣዝን ዝኸውን ክልተ ሉሕ ግበረሉ።
24
እዙይ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፤ ክሳዕ ላዕሊ፥ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለበት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ መኣዝን ከምኡ ይኹን።
25
ሸሞንተ ሉሕን ብብሩር ዝተሰርሐ ዓሰርተ ሽዱሽተ መርገፅን ግበር፤ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሉሕ፥ ከክልተ መርገፂ ግበር።
26
“ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ወርወር ስራሕ፤ ሓሙሽተ ወርወር ብሓደ ወገን እቲ ድንኳን ንዘሎ ሉሕ፥
27
ሓሙሽተ ወርወር ብኻልኣይ ወገን እቲ ድንኳን ንዘሎ ሉሕ፥ ሓሙሽተ ወርወር ብድሕሪ እቲ ድንኳን ብወገን ምዕራብ ንዘሎ ሉሕ ግበር።
28
እቲ ኣብ ማእኸል ሉሕ ዘሎ ወርወር፥ ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ይሕለፍ።
29
ነቲ ሉሕ ብወርቂ ለብጦ፤ ነቲ ወርወር ዝኣትዎ ቐለበታቱ ኸዓ ብወርቂ ስርሓዮ። ነቲ ወርወርውን ብወርቂ ለብጦ።
30
ነቲ ድንኳን ከምቲ ኣብ እምባ ዘርአኹኻ ጌርካ ትኸሎ።
31
“ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን፥ ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ መጋረጃ ግበር፤ ክኢላታት ሰባት ከዓ ምስሊ ኪሩቤል ይግበሩሉ።
32
ብወርቂ ዝተለበጠ መሰቓቐሊ ጌርካ፥ ብዕንፀይቲ ሰራው ኣብ ዝተገብረ ኣርባዕተ ዓምዲ ስቐሎ፤ እቲ ዓምዲ ድማ ብብሩር ኣብ ዝተገብረ ኣርባዕተ መርገፂ ደው ኣብሎ።
33
እቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እቲ ቝልፍታት ስቐሎ፤ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝተፅሓፎ ፅላት ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ኸዓ ኣብ መንጎ ቕድስትን፥ ቅድስተ ቅዱሳንን ይፍለየልኩም።
34
ነቲ መኽደን ድማ ኣብቲ ቕድስተ ቅዱሳን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ፅላት ግበሮ።
35
ነቲ ጠረጴዛ ኣብ ወፃኢ መጋረጃ ብወገን ሰሜን እቲ ድንኳን ኣንብሮ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ድማ ኣብ መንፅር እቲ ጠረጴዛ ብወገን ደቡብ ኣንብሮ።
36
“ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያዊ፥ ሓምራዊ፥ ውፁእ ቀይሕ ዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ዝተጠልፈ መጋረጃ ግበር።
37
ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ፥ ነቲ መጋረጃ ሓሙሽተ ዓምዲ ግበረሉ። ብወርቂ ለብጦ፤ መሰቓቐሊኡ ኸዓ ኻብ ወርቂ ይኹን። ነሃስ ኣፍሲስካ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ግበረሉ።
← Chapter 25
Chapter 27 →