bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 25
Exodus 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
2
“ንደቂ እስራኤል መባእ ከምፅኡለይ ንገሮም፤ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልቡ ፈትዩ ዘምፅአለይ መባእ ከዓ ተቐበሉ።
3
እቲ ኻብኣቶም እትቕበልዎ መባእ ድማ ወርቂ፥ ብሩር፥ ነሃስ፥
4
ሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን፥ ቀጭን ሃሪ፥ ብፀጕሪ ጤል ዝተሰርሐ ዓለባ፥
5
ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ፥ ልስሉስ ቈራብቲ፥ ዕንፀይቲ ሰራው፥
6
ንቐንዲል ዝኸውን ዘይቲ፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን ንጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ዝኸውን ቀመማትን፥
7
ኣእማን ዕንቊ፥ ኣብ ኤፉድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልብን ተዛኒቑ ዝስኳዕ ክቡር ኣእማንን እዩ።
8
“ኣነ ኣብ ማእኸሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይግበሩለይ።
9
ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣቑሑኡን ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ጌርካ ስርሓዮ።
10
“ሰራው ካብ ዝበሃል ኦም፥ ታቦት ስራሕ፤ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ምግፋሑ እመትን ፈረቓን፥ ምብራኹ ድማ እመትን ፈረቓን ይኹን።
11
ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለብጦ፥ ውሽጡን ደገኡን ለብጦ። ላዕላዩ ኸዓ ብዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ።
12
ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲስካ ድማ ኽልተ ቐለበት ብሓደ ገፁ፥ ክልተ ቐለበት ከዓ ብኻልኣይ ገፁ፥ ኣብ ኣርባዕተ እግሩ ግበረሉ።
13
ብዕንፀይቲ ሰራው መፆሪ ግበር፤ ብወርቂ ድማ ለብጦ።
14
እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኽፅወር ነቲ መፆሪ ናብቶም ኣብ ጐኒ ታቦት ዘለዉ ቐለበታት ኣእትዎ።
15
እቲ መፆሪ ኣብቲ ቐለበታት ታቦት ይቀመጥ እምበር፥ ካብኡ ኣይውፃእ።
16
ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር፥ ኣብቲ ውሽጢ ታቦት ክተንብሮ ኢኻ።
17
“ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ምግፋሑ ኸዓ እመትን ፈረቓን ዝኾነ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ መኽደን ግበረሉ።
18
ወርቂ ቐጥቂጥካ ኽልተ ኪሩቤል ስራሕ፤ ኣብ ክልተ ወሰን እቲ መኽደን ድማ ግበሮም።
19
ሓደ ኪሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፥ ካልኣይ ኪሩቤል ከዓ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ምስቲ መኽደን ኣላጊብካ፥ ብኽልተ ወሰኑ ግበሮም።
20
እቶም ኪሩቤል ከዓ ንስንሳቶም ገፅ ንገፅ እናተረኣኣዩ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ፤ ነቲ መኽደን ድማ በኽናፎም ይጋርድዎ። ገፅ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን ይጠምት።
21
ነቲ መኽደን ከዓ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። ነቲ ኣነ ዝህበካ ፅላት ከዓ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ።
22
ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለፀልካ እየ፤ ካብቲ መኽደን፥ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል፥ ኵሉ እቲ ንደቂ እስራኤል ዝኸውን ትእዛዝ ክህበካ እየ።
23
“ምንዋሑ ኽልተ እመት፥ ምስፋሑ ኸዓ ሓደ እመት፥ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ዝኾነ ጠረጴዛ ብዕንፀይቲ ሰራው ስራሕ።
24
ብፅሩይ ወርቂ ለብጦ፤ ብዙርያኡ ኸዓ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ።
25
ኣብ ዙርያኡ ድማ ግናዕ ዝምግፋሑ ኽባስ ግበረሉ፤ ነቲ ኽባስ ከዓ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ።
26
ነቲ ጠረጴዛ ዝኸውን ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ድማ ግበር፤ ነቲ ቐለበታት ከዓ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ መኣዝን ግበሮ።
27
እቲ ጠረጴዛ ዝፅወረሉ መፃውር ምእንቲ ኽኣትዎ እቲ ቐለበታት ኣብ ጥቓ እቲ ኽባስ ይኹን።
28
መፅወሪ እቲ ጠረጴዛ ዝኸውን፥ ካብ ዕንፀይቲ ሰራው መፆሪ ግበር እሞ ብወርቂ ለብጦ።
29
ፅሩይ ወርቂ ጌርካ ንመፍሰሲ ንኽኾኑ ፃሕልታት፥ ሒላባት፥ ኵስኵስትታት፥ ፅዋዓት ድማ ስራሕ።
30
ኣብቲ ጠረጴዛ ኸዓ ዅልሻዕ ሕብስቲ ቝርባን ኣብ ቅድመይ ኣንብር።
31
“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ቐዋሚ ቐንዲል ስራሕ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ እግሩን ዘንጉን ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ጌርካ ስርሓዮ። ነቲ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባን፥ ነቲ ጕንዱ ዝመዓጐ ዕምበባን ዝመስል፥ ኣሰራርሓኡ ኸም ፅዋዕ ጌርካ ስርሓዮ።
32
ብኽልተ ወገን ናይቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሽዱሽተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ሰለስተ ጨንፈር፥ ብሓደ ወገኑ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ይሃልዎ።
33
ንዅለን እተን ሽዱሽተ ጨናፍር፥ ናይ ለውዚ ዕምበባ ዝመስል፥ ነተን ሰለስተ ፅዋዓት መምስ ክበብን ዕምበባን ይሃልወን።
34
ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዲል ከዓ፥ ዕምበባ ለውዚ ዝመስላ ኣርባዕተ ፅዋዓት፥ መምስ ክበበንን ዕምበባታተንን ይገበሮ።
35
ሓደ ኽበብ ኣብ ትሕቲ ቐዳመይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ኽበብ ከዓ ኣብ ትሕቲ እታ ኻልአይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ሓደ ኽበብ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ሳልሰይቲ ፅምዲ ጨንፈር፥ ኣብ ሕድሕደን ሽዱሽተ ጨንፈር ግበር።
36
ነቲ ኽበብን ጨናፍርን ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን፥ ፅሩይ ወርቂ ቐጥቂጥካ ብሓደ ስርሓዮ።
37
“ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ሸውዓተ መብራህቲ ግበረሉ። እቲ መብራህቲ ኸዓ ንቕድሚት ኣቢሉ ምእንቲ ኸብርህ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ኣንብሮ።
38
መዀስተሪኡን መዋህለሊ እቲ ዅስታርን ከዓ ኻብ ፅሩይ ወርቂ ይኹን።
39
ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ምስቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ኣቑሑ፥ ብሰላሳን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ፅሩይ ወርቂ ግበሮ።
40
ከምቲ ኣብቲ እምባ ዘርአኹኻ ምስሊ ጌርካ ብጥንቃቐ ስርሓዮ።
← Chapter 24
Chapter 26 →