bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 19
Exodus 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ብሳልሰይቲ ወርሒ፥ በታ መጀመርታ መዓልቲ ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ።
2
ካብ ራፊዲም ተልዒሎም ናብ ምድረ በዳ ሲና መፁ። ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ መንፅር እቲ እምባውን ሰፈሩ።
3
ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ደየበ። እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቲ እምባ ፀዊዑ “ንቤት ያእቆብ ከምዙይ በል፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ንገር፦
4
እቲ ኣብ ግብፃውያን ዝገበርክዎን፥ በኽናፍ ንስሪ ፀይረ ናባይ ከም ዘምፃእኹኹምን፥ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።
5
ሕዚ ድማ ንቓለይ እንተ ተኣዚዝኩም፥ ኪዳነይ እውን እንተ ሓሊኹም፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ሕልፊ ገንዘበይ ክትኮኑኒ ኢኹም። ኵላ ምድሪ እኳ ናተይ እንተ ኾነት፥
6
ንስኻትኩም ግና ናይ ካህናት መንግስትን፥ ቅዱስ ህዝብን ክትኮኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትነግሮም ቃል እዙይ እዩ” በሎ።
7
ሙሴ ድማ ተመሊሱ ነቶም ዓበይቲ ህዝቢ ፀውዖም፤ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ቓልውን ኣብ ቅድሚኣቶም ተናገረ።
8
ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ብሓደ ኾይኖም “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር” ኢሎም መለሱሉ። ሙሴ ድማ ንቓል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሖ።
9
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ክዛረበካ እንተለኹ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኽሰምዑ፥ ንሓዋሩ ድማ ምእንቲ ኽኣምኑኻስ፥ እንሆ፥ ኣነ ብኸቢድ ደመና ናባኻ ኽመፅእ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።
10
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብቶም ህዝቢ ኺድ፤ ሎምን ፅባሕን ቀድሶም፤ ክዳውንቶም ከዓ ይሕፀቡ።
11
በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ናብ እምባ ሲና ኽወርድ እየ እሞ፥ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ።
12
ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበረሎም። ‘ናብቲ እምባ ኸይትድይቡ፥ ወይ ነቲ እግሪ እምባ ኸይትነኽእዎ ተጠንቀቑ’ ድማ በሎም። ነቲ እምባ ዝነኽኦ ዅሉ ብርግፅ ክመውት እዩ።
13
ሓደ እኳ ብኢድ እንተ ነኽኦ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ወይ ከዓ ብፍላፃ ይቀተል፤ ሓደ እኳ ብኢድ ኣይንክኣዮ፤ እንስሳ ይኹን ሰብ ብህይወት ኣይንበር። መለኸት ኣንዊሑ ምስ ተነፍሐ ጥራሕ ናብቲ እምባ ይደይቡ” በሎ።
14
ሙሴ ድማ ኻብቲ እምባ ናብቲ ህዝቢ ወረደ፤ ነቲ ህዝቢ ኸዓ ቐደሶ፤ ንሳቶምውን ክዳውንቶም ሓፀቡ።
15
ነቶም ህዝቢ ድማ “ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉ፤ ናብ ሰበይቲ ኸዓ ኣይትቕረቡ” በሎም።
16
በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኽወግሕ እንተሎ ኸዓ፥ ነጐድጓድን መብረቕን ከቢድ ደመናን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ እምባ ተርኣየ፤ የመና ብርቱዕ ድምፂ መለኸትውን ተሰምዐ። እቲ ኣብ ሰፈር ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ተንቀጥቀጠ።
17
ሙሴ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ምስ እግዚኣብሄር ክራኸብ፥ ካብ ሰፈር መሪሑ ኣውፅኦ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ደው በሉ።
18
እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፥ ኵሉ እምባ ሲና ይትኪ ነበረ። ካብኡ ኸዓ ኸም ትኪ እቶን ዝበለ ትኪ ዓረገ። ኵሉ እቲ እምባ የመና ተናወፀ።
19
እቲ ድምፂ መለኸት ከዓ የመና ምስ በርትዐን ምስ ፀንዐን፥ ሙሴ ተዛረበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብድምፂ መለሰሉ።
20
እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ልዕሊ እምባ ሲና፥ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ወረደ። ንሙሴ ድማ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ፀውዖ፤ ሙሴ ኸዓ ደየበ።
21
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ውረድ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክሪኡ ኽብሉ ናብቲ እምባ ኸይቐርቡ እሞ፥ ብዙሓት ከዓ ኸይጠፍኡስ፥ ኣጠንቅቆም።
22
እቶም ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከየጥፍኦም፥ ንርእሶም ይቐድሱ” በሎ።
23
ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር “ንስኻ፥ ‘ኣብ ዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበር፤ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እምባ ይኹን’ ኢልካ ስለ ዘጠንቀቕካና፥ እቶም ህዝቢ ናብ እምባ ሲና ኽድይቡ ኣይኽእሉን እዮም” በሎ።
24
እግዚኣብሄር ከዓ “ኪድ ውረድ እሞ ንኣሮን ምሳኻ ሒዝካዮ ደይብ። እቶም ካህናትን ህዝብን ግና ምእንቲ ኸየጥፍኦም፥ ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ክድይቡ ኢሎም ወሰን ከይጥሕሱ ኸልክሎም” በሎ።
25
ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነዙይ ነገሮም።
← Chapter 18
Chapter 20 →