bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Exodus 18
Exodus 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዮቶር፥ ካህን ምድያም ሓሙ ሙሴ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንህዝቡ እስራኤልን ኵሉ ዝገበሮን፥ እግዚኣብሄርውን ካብ ግብፂ ንእስራኤል ከም ዘውፅኦምን ሰምዐ።
2
ንሲፖራ ሰበይቲ ሙሴ፥ ናብ ኣቦኣ ዮቶር ሰዲድዋ ነበረሞ፥
3
ሽዑ ምስ ክልቲኦም ደቃ ሒዙሉ መፀ። ሙሴ “ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ” ኢሉ ነቲ በዅሪ ወዱ “ጌርሳም” ዝብል ስም ኣውፅአሉ።
4
“ኣምላኽ ኣቦይ ረድአኒ፤ ካብ ሰይፊ ፈርዖን ኣድሓነኒ” እንትብል ድማ ነቲ ኻልኣይ ወዱ “ኣልኣዛር” ኢሉ ሰመዮ።
5
ዮቶር ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን፥ ናብቲ ሙሴ ሰፊርዎ ዝነበረ ምድረ በዳ፥ ናብ ጥቓ እምባ እግዚኣብሄር መፀ።
6
ንሙሴ ድማ “ኣነ ዮቶር ሓሙኻ ንሰበይትኻን ንኽልቲኦም ደቃን ሒዘ ናባኻ እመፅእ ኣለኹ” ኢሉ ለኣኸሉ።
7
ሙሴ ኸዓ ንሓሙኡ ኽቕበሎ ወፀ፤ ሰገደሉ፤ ሰዓሞውን። ደሓን ምህላዎም ንስንሳቶም ምስ ተጠያየቑ ድማ፥ ናብ ድንኳን ኣተዉ።
8
ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከድሕን ኢሉ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ግብፃውያንን ዝገበሮን፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦም ኵሉ መከራን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ።
9
ዮቶር ድማ በቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕን ኢሉ ዝገበሮ ፅቡቕ ነገር ተሓጐሰ።
10
ቀፂሉ ዮቶር “እቲ ኻብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ፈርዖንን ዘድሓነኩም እግዚኣብሄር ይመስገን። እቲ ንህዝቡ ኻብ ኢድ ግብፃውያን ዘድሓነ እግዚኣብሄር ይመስገን።
11
ግብፃውያን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝፈፀምዎ ግፍዒ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም መሊሱሎም እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝዓቢ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ።
12
ድሕሪዙይ ሓሙ ሙሴ ዮቶር፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ሕሩድን ንእግዚኣብሄር ወሰደ። ኣሮንን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ምስ ሓሙ ሙሴ ኾይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጀራ ኽበልዑ መፁ።
13
ንፅባሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኽፈርድ ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ወዓለ።
14
ሓሙኡ ኸዓ፥ እቲ ሙሴ ኣብ ህዝቢ ዝገብሮ ዅሉ ምስ ረአየ “እዝ ኣብዝ ህዝቢ እዙይ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ? ስለ ምንታይከ ኢኻ፥ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ እንተሎ፥ ንስኻ በይንኻ ኽትፈርድ እትቕመጥ?” በሎ።
15
ሙሴ ድማ ንሓሙኡ “እቲ ህዝቢ ፍቓድ እግዚኣብሄር ክጥይቕ ናባይ ስለ ዝመፅእ እዩ።
16
ክልተ ሰብ፥ ነገር እንትህልዎምውን ናባይ ይመፁ፤ ኣነውን ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ብፃዩን እፈርድ፤ ናይ እግዚኣብሄር ስርዓትን ሕግጋትን ድማ እነግሮም” ኢሉ መለሰሉ።
17
ዮቶር ድማ ንሙሴ “እዝ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን።
18
ንስኻን እዝ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም፤ እዝ ነገር እዙይ ንኣኻ የመና ኸቢድ እዩ እሞ፥ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።
19
ሕዚ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፤ ክመኽረካ ቓለይ ስማዕ፦ ንስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተወካሊ ህዝቢ ኹን፤ ነቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ እግዚኣብሄር ኣብፅሐሎም።
20
ስርዓታትን ሕግጋትን መሃሮም፤ ከመይ ኢሎም ከም ዝነብሩን እንታይ ክገብሩ ኸም ዝግብኦምንውን ንገሮም።
21
ካብ ኵሉ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ እሙናት፥ ረብሓ ዓመፃ ዝፀልኡ፥ ክኢላታት ሰባት ምረፅ። ንኣኣቶም ከዓ ኣሕሉቕ ሽሕን፥ ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኣቶም ሹመሎም።
22
ኵልሻዕ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ዓብዪ ነገር ዝኾነ ዅሉ ናባኻ የምፅእዎ። ንእሽተይ ነገር ዝኾነ ግና ባዕልቶም ይፍረድዎ። ነቲ ሸኽሚ እንተ ኣፃወሩኻ ኸዓ ንኣኻ ይቐለልካ።
23
እዝ ነገርዙይ እንተ ገበርካ፥ እዙይ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾነ፥ ኣይትደክምን ኢኻ። ኵሉ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ተሓጒሱ ናብ ገዛኡ ኽምለስ እዩ” በሎ።
24
ሙሴ ድማ ቓል ዮቶር ሰሚዑ፥ ኵሉ ዝበሎ ገበረ።
25
ካብ ኵሉ እስራኤል ክኢላታት ሰባት መሪፁ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓለቓ ክኾኑ፥ ሓለቓ ሽሕን፥ ሓለቓ ሚእትን፥ ሓለቓ ሓምሳን፥ ሓለቓ ዓሰርተን ገይሩ ሾሞም።
26
ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ዅልሻዕ ይፈርድዎ ነበሩ። ብርቱዕ ነገር ዝኾነ ኸዓ፥ ናብ ሙሴ የምፅእዎ ነበሩ። እቲ ንእሽተይ ዝኾነ ነገር ግና ንሳቶም ይፈርድዎ ነበሩ።
27
ሙሴ ድማ ንሓሙኡ ኣፋነዎ፤ ዮቶር ከዓ ናብ ሃገሩ ተመለሰ።
← Chapter 17
Chapter 19 →