bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ecclesiastes 5
Ecclesiastes 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ናብ ቤት እግዚኣብሄር እንትትኣቱ እግርኻ ሓሉ፤ ክፉእ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮምሞ ኻብ መስዋእቲ ሰነፋት፥ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሐይሽ።
2
ብኣፍኻ ኣይትቐልጥፍ፤ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄርውን ንምዝራብ ኣይትሸኵል። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ፥ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻሞ፥ ቃላትካ ውሑድ ይኹን።
3
ብብዝሒ ስራሕ ሕልሚ ይረአ፤ ከምኡውን ድምፂ ሰነፍ ብብዝሒ ቓላት ይስማዕ።
4
ንእግዚኣብሄር እንተ ተመባፃዕኻ፥ ንምፍፃሙ ኣይትደንጒ። ብዓያሹ ደስ ኣይብሎን እዩሞ፥ ነቲ ዝተመባፃዕካዮ ፈፅሞ።
5
ንዘይትፍፅሞ ኻብ ምምብፃዕ ዘይምምብፃዕ ይሐይሽ።
6
ንስጋኻ ብሓጢኣት ከየስሕቶ ንኣፍካ ሓርነት ኣይትሃቦ፤ ኣብ ቅድሚ መልኣኽውን ስሕተት እዩ ነይሩ ኣይትበል። ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር ብቓልካ ኽቝጣዕን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸጥፍኦን እትደሊ?
7
ብዙሕ ሕልምን ብዙሕ ቃላትን ኣብ ዘለዎ፥ ኣብኡ ብዙሕ ከንቱ ነገር ኣሎ፤ ንስኻ ግና ንእግዚኣብሄር ፍራሕ።
8
ንሓደ ሹም፥ ካብኡ ልዕል ዝበለ ዝምልከቶ ኣሎ፤ ካብኣቶም ከዓ ልዕል ዝበለ ንዅሎም ዝምልከቶም ኣሎሞ፥ ድኻ እንትጥቃዕ፥ ኣብ ሓደ ሃገር ከዓ ፍርድን ፅድቅን ክጠፍእ እንተ ረአኻ፥ ኣይትገረም።
9
ንዅሉ ዝጠቅም ግና ንጉስ እታ ሃገር ማሕረስ ዝፈቱ እንተ ኾይኑ እዩ።
10
ገንዘብ ዝፈቱ ገንዘብ ኣይፀግብን፤ ሃብቲ ዝፈቱ ኸዓ ትርፊ ኣይፀግብን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
11
ጥሪት እንተ በዝሐ፥ በላዕቱ ይበዝሑ፤ ንዘጥረዮ ደኣ፥ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይጠቕሞ?
12
እቲ ሰራሕተኛ፥ ብዙሕ ወይ ውሑድ በሊዑ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፤ ንሃብታም ግና ፅጋቡ ኣየደቅሶን።
13
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሕዝን ክፉእ ነገር ረአኹ፤ ንጕድኣት መጥረዪኡ ዝተዓቘረ ሃብቲ እዩ።
14
እዝ ሃብቲ እዙይ ብድንገት ይጠፍእ፤ ውሉድ እንተ ወለደ ኸዓ፥ እቲ ወዱ ጥራሕ ኢዱ ይተርፍ።
15
ከምቲ ኻብ ማህፀን ወላዲቱ ጥራሑ ዝውለድ፥ ከምኡ ኸዓ ኸም ዝመፆ ይምለስ፤ ካብቲ ዝፀዓረሉውን ሓንቲ እኳ ብኢዱ ኣይማላእን።
16
እዙይውን ዘሕዝን ክፉእ ነገር እዩ፤ ከም ዝመፀ ኸምኡ ይኸይድ፤ ድኻሙ ንንፋስ ካብ ኮነ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ?
17
ኵሉ ዘመኑ ዘሕልፎ ብጓህን ብፀልማትን ብሓዘንን፥ ብመከራን ብሕማምን ብዅራን እዩ።
18
ኣነ ዘስተብሃልክዎ ሰናይን ግቡእን ነገር፦ ሰብ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓፂር መዋእል ህይወቱ ኽበልዕን ክሰትን፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓረሉ ፍረ ፃማኡ ደስ ክብሎን እዩ፤ እዝ ዕድል እዙይ ከዓ ግደኡ እዩ።
19
እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰብ ሃብትን ጥሪትን ምሃቡ፥ ካብኡ ኽበልዕን ግደኡ ኽወስድን ብፃዕሩውን ምእንቲ ኽሕጐስን ስለ ዝፈቐደሉ እዩ፤ እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ።
20
እግዚኣብሄር ናይ ልቡ ሓጐስ ስለ ዝሃቦ “መዋእል ህይወተይ ሓፀርቲ እየን” ኢሉ ኣይሓስብን እዩ።
← Chapter 4
Chapter 6 →