bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Ecclesiastes 4
Ecclesiastes 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
መሊሰ ኸዓ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ግፍዒ ተመልከትኩ። እንሆ፥ ንብዓት እቶም ግፉዓት ረአኹ። ዘፀናንዖምውን ኣይነበረን፤ ኣብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ሓይሊ ነበረ፤ ንኣኣቶም ግና ዘፀናንዖም ኣይነበረን።
2
ስለዙይ ኣነ “ካብቶም ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ፥ ነቶም ቀደም ዝሞቱ ኣመስገንኩ።”
3
ካብ ክልቲኦም ግና እቲ ገና ዘይተወለደ፥ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግፍዒ ዘይረአየ፥ ኣብሊፁ ይሐይሽ።
4
ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
5
ዓሻ ኣእዳዉ ጠሚሩ ይቕመጥ፤ ንገዛ ስጋኡውን ይበልዕ።
6
ግና ኽልተ ኢድ ምሉእ ክትረክብ ኢልካ ኻብ ምፅዓርን ደድሕሪ ንፋስ ካብ ምጕያይንስ ሓንቲ ኢድ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ።
7
ተመሊሰ ድማ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ከንቱ ነገር ረአኹ።
8
ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ? እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ።
9
ብፃዕሮም ፅቡቕ ረብሓ ኽረኽቡ ስለ ዝኽእሉ ኻብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ።
10
ሓደ ኻብኣቶም እንተ ወደቐ እቲ ሓደ ኸተስኦ ይኽእል፤ ሓደ በይኑ እንተ ኾይኑ ግና፥ እንተ ወደቐ ዘተስኦ የብሉን እሞ፥ ወይለኡ።
11
ከምኡ ኸዓ ኽልቲኦም ብሓደ እንተ ደቀሱ፥ ይማወቑ፤ ሓደ በይኑ እንተ ደቀሰ ግና፥ ከመይ ኢሉ ይመውቕ?
12
እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተ ኣሰነፎ፥ ክልተ ግና ኽቃወምዎ ይኽእሉ እዮም። ብሰለስተ ዝተገምደ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን እዩ።
13
ካብ ምኽሪ ዘይቕበል ኣረጊትን ዓሻን ንጉስ፥ ድኻን ለባምን መንእሰይ ይሐይሽ።
14
እቲ መንእሰይ፥ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ ወይ ኣብ ውሽጢ ግዝኣቱ ብድኽነት ተወሊዱ ኽነግስ ይኽእል።
15
ኣነ እቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝመላለሱ ኹሎም ህያዋን፥ ምስቲ ኽንድኡ ኽቐውም ዝተመደበ ኻልእ ጐበዝ ኮይኖም ረአኽዎም።
16
እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ህዝቢ መወዳእታ ኣይነበሮን፤ እቶም ብድሕሪኡ ዝመፁ ግና ብእኡ ኣይሕጐሱን። እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስ ከም ምኽታል ከዓ እዩ።
← Chapter 3
Chapter 5 →