bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Daniel 8
Daniel 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብልጣሶር ምስ ነገሰ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ፥ ድሕሪ እቲ ቕድም ዝተገለፀለይ ራእይ ኣነ ዳንኤል ካልእ ራእይ ረአኹ።
2
ብራእይ ከዓ ረአኹ፤ እንትርኢ ድማ፥ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ከም ዘለኹ ረአኹ። በቲ ራእይ ኣብ ጥቓ ሩባ ኡባል ነበርኩ።
3
ኣዒንተይ ኣልዒለ ረአኹ፤ እንሆ፥ ክልተ ዝቐርኑ ማጕላ ኣብ ቅድሚ እቲ ሩባ ደው ኢሉ ነበረ፤ እተን ክልተ ኣቕርንቱ ድማ ነዋሕቲ ነበራ። እታ ሓንቲ ኻብታ ሓንቲ ዝነውሐት ነበረት። እታ ነዋሕ ቐርኒ ደሓር ዝወፀት ነበረት።
4
እቲ ማጕላ በጊዕ ድማ ንምዕራብ፥ ንሰሜን፥ ንደቡብ ኣቢሉ በቕርንቱ ይፍልስ ነበረ፤ ክቃወሞ ዝኽእል ኣራዊት ግና ኣይነበረን፤ ካብ ኢዱ ኸናግፍ ዝኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ኸም ዝደለዮ ገበረ፤ ዓብዪ ድማ ኾነ።
5
ነዙይ ከስተብህል እንተለኹ፥ እንሆ ዲበላ ጤል ካብ ምዕራብ፥ ምድሪ እንተይረገፀ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ መፀ። እዝ ዲበላ ጤል እዙይ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዒንቱ ዓባይ ቀርኒ ነበረቶ።
6
ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ፥ ኣብ ቅድሚ ሩባ ደው ኢሉ ናብ ዝረአኽዎ ማጕላ በጊዕ መፀ፤ ብቝጡዕ ሓይሉ ድማ ናብኡ ኣቢሉ ጐየየ።
7
ምስቲ ማጕላ በጊዕ ክዋጋእ እንተሎ ድማ ረአኽዎ፤ የመና ተቘጢዑ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ በጊዕ ወቕዖ እሞ ኽልቲአን ኣቕርንቱ ሰበሮ፥ ናብ ምድሪ እውን ኣውደቖን ረገፆን። እቲ ማጕላ በጊዕ ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰኣነ፤ ስለዙይ ነቲ ማጕላ፥ ካብ ኢዱ ኸናግፎ ዝኸኣለ ኣይነበረን።
8
እቲ ዲበላ ጤል ግና እምብዛ እናበርትዐ ኸደ። ምስ በርትዐ ድማ፥ እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰበረት፤ ክንድኣ ኸዓ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ዝጥምታ፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣቕርንቲ ኣብ ትሕቲኡ ወፃ።
9
ካብ ሓዲአን ከዓ ንእሽተይ ቀርኒ ወፀ፤ ንሱውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ሰናይ ምድርን ኣቢሉ የመና ዓበየ።
10
ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ልዕል ልዕል በለ፤ ካብ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ድማ፥ ንብዙሓት ናብ ምድሪ ኣውዲቑ ረገፆም።
11
ክሳዕ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሰማይ እኳ፥ ርእሱ ልዕል ኣበለ፤ ነቲ ዅሉ መዓልቲ ናብኡ ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ ኣትረፎ፤ እታ ማሕደሩ ዝኾነት ቤተ መቕደስውን ፈረሰት።
12
እቲ ሰራዊት፥ ምስ ናይ መዓልታዊ መስዋእቲ፥ ብሰንኪ ሓጢኣት እዩ ዝተውሃቦ። ንሱውን ንሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ፤ ኵሉ ዝገብሮ ኸዓ ሰለጦ።
13
ሽዑ ኻብ ቅዱሳን ሓደ ኽዛረብ እንተሎ ሰማዕኹ። ሓደ ኻልእ ቅዱስ ድማ፥ ነቲ ዝዛረብ ዘሎ “ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ መስዋእትን፥ ብሰንኪ ዓመፅ ዝኸውን እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋፅ ምእንቲ ኽወሃብ፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ዕንወት፥ ብራእይ ዝተርኣየ ነገራት ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝኸውን?” ኢሉ ጠየቖ።
14
ንሱ ኸዓ “ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን፥ ምሸትን ጊሓትን እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ቤተ መቕደስ መሊሱ ኽነፅህ እዩ” በለኒ።
15
ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ረአኹ፥ ከስተውዕሎ ደለኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ሰብ ዝመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ።
16
ካብ ማእኸል ሩባ ኡባል ድማ “ገብርኤል፥ ትርጉም እዝ ራእይ እዙይ፥ ነዝ ሰብ እዙይ ግለፀሉ” ዝብል ድምፂ ሰብ ሰማዕኹ።
17
ገብርኤል ከዓ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ናባይ ምስ መፀ ደንገፅኩ፤ ፈሪሐውን ብግምባረይ ተደፋእኹ። ንሱ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዝ ራእይ እዙይ፥ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ከም ዝኾነ ኣስተውዕል” በለኒ።
18
ንሱ ኽዛረበኒ እንተሎ፥ ደንጊፀ ብግምባረይ ናብ ምድሪ ተደፋእኹ። ግና ንሱ ዳህሰሰኒ፤ ቀጥ ኣቢሉ ድማ ኣቖመኒ።
19
ከምዙይ ድማ በለኒ፦ “እዝ ራእይ እዙይ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክኸውን ዘለዎ ዘመልክት ስለ ዝኾነ፥ ደሓር በቲ ዘመን ቍጥዓ እንታይ ከም ዝግበር ከፍልጠካ እየ።
20
“እቲ ዝረአኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ማጕላ፥ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም።
21
እቲ ዲበላ ድማ መንግስቲ ግሪክ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረ ዓብዪ ቐርኒ ኸዓ፥ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ።
22
እቶም ክንዲ እቲ ዝተሰብረ ቐርኒ ዝወፁ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ድማ፥ ካብቲ መንግስቲ ዝለዓሉ ኣርባዕተ መንግስታት እዮም። ብሓይሊ ግና ኣይመዓራረይዎን እዮም።
23
“እዞም መንግስታት እዚኣቶም መወዳእታኦም ምስ በፅሐ፥ መስፈሪ በደሎም መሊኡ ዝቕፅዑሉ ጊዜ ምስ መፀ፥ ሓደ ጨካንን ክኢላን ተንኰለኛን ንጉስ ክለዓል እዩ።
24
ብሓይሉ ደኣ ኣይኮነን እምበር እምብዛ ኽብርትዕ እዩ፤ ዘስካሕክሕ ጥፍኣትውን ክገብር እዩ። ዝገብሮ ዅሉ ኸዓ ኽሰልጦ እዩ፤ ንሓያላት ሰባትን ንቅዱሳን ህዝብን ድማ ኸጥፍኦም እዩ።
25
ብኽእሎ ምድንጋሩ፥ ተንኰሉ ኽሰልጠሉ እዩ፤ የመና ብልቡ ኽዕበ እዩ፤ ብዙሓት ተደላዲልና ብሰላም ተቐሚጥና ኣለና እንትብሉ የጥፍኦም፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ልዑላን ልዑል እኳ ኽትስእ እዩ። ንሱውን ክጠፍእ እዩ፤ ግና ብዘይ ኢድ ሰብ ክስበር እዩ።
26
እቲ ዝተውሃበካ ናይ ምሸትን ጊሓትን ራእይ ሓቂ እዩ። እዝ ራእይ እዙይ፥ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ክፍፀም እዩ እሞ፥ ምስጢር ጌርካ ሕተሞ።”
27
ሽዑ ኣነ ዳንኤል የመና ደኸምኩ፤ ንብዙሕ መዓልቲ ድማ ሓሚመ ደቀስኩ፤ ብድሕሪኡ ተሲአ ኸዓ ናብ ስራሕ እቲ ንጉስ ከድኩ። በቲ ራእይ ከዓ እድነቕ ነበርኩ፤ ክርድኦ ዝኽእልውን ኣይነበረን።
← Chapter 7
Chapter 9 →