bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Daniel 7
Daniel 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብልጣሶር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፥ ዳንኤል ኣብ ዓራቱ እንተሎ ሕልምን ራእይን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ፀሓፎ፤ ርእሰ ነገሩውን ተናገረ፤
2
ዳንኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ለይቲ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨዉ ነበሩ።
3
ካብቲ ባሕሪ ድማ፥ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወፁ።
4
እቲ ቐዳማይ ኣንበሳ ይመስል፤ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዝንቀል ከዓ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል በለ፤ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፤ ልቢ ሰብውን ተውሃቦ።
5
እቲ ኻልኣይ ንድቢ ይመስል ነበረ። ንሱ ብጐድኑ ተስአ፤ ሰለስተ ዓፅሚ ጐድኒ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ሒዙ ነበረ። “ተስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ” በልዎ።
6
ድሕሪዙይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ካልእ ኣብ ጐድኑ፥ ኣርባዕተ ኣኽናፍ ዒፍ ዝነበሮ፥ ንነብሪ ዝመስል ካልእ ኣራዊት ረአኹ። እዝ ኣራዊት እዙይ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፤ ክገዝእ ድማ ስልጣን ተውሃቦ።
7
ድሕሪዙይ ብራእይ ለይቲ፥ መፍርሕን መደንገፅን የመና ብርቱዕን ዝኾነ፥ ራብዓይ ኣራዊት ረአኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓፂን ነበሮ፤ ይውሕጥን፥ ነቲ ዝተረፈ ኸዓ በእጋሩ ይረግፆን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅላቶም ኣራዊት ፍሉይ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፤ ዓሰርተ ኣቕርንቲ እውን ነበሮ።
8
ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኽጥምት እንተለኹ፥ ኣብ ማእኸሎም ንእሽተይ ካልእ ቀርኒ ወፀ፤ ሰለስተ ኻብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተነቓቐሉ። ነዝ ቐርኒ እዙይ፥ ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይኒ ነበሮ። ብትዕቢት ዝዛረብ ኣፍ ድማ ነበሮ።
9
ዙፋናት ክሳዕ ዝዝርግሓ ድማ ጠመትኩ፤ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ከዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተቐመጠ። ክዳውንቱ ፃዕዳ ኸም በረድ፥ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ ኸም ፅሩይ ፀምሪ ነበረ። ዙፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ፥ መንኰራዅሩ ድማ ኸም ጕሁር ሓዊ ነበረ።
10
ውሕጅ ሓዊ ኻብ ቅድሚኡ ይውሕዝ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፤ እልፍ ኣእላፋት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ነበሩ፤ ፍርዲ ተጀመረ፤ መፃሕፍትውን ተገለፁ።
11
ሽዑ ኣነ፥ እቲ ንእሽተይ ቀርኒ ብዛዕባ ዝተዛረቦ ድምፂ ዓብዪ ቓል ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተልን፥ ስጋኡ ኣብ ሓዊ ኽሳዕ ዝድርበን ጠመትኩ።
12
ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወሰደ፤ ግና ብህይወት ክፀንሑ፥ ዘመንን ውሱን ጊዜን ተውሃቦም።
13
ለይቲ ብራእይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል፥ ብደመና ሰማይ ይመፅእ ነበረ። ናብቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ዝነበረ ድማ በፅሐ፤ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።
14
ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።
15
ኣነ ዳንኤል ኣብ ውሽጢ ስጋይ መንፈሰይ ደንገፀ፤ እቲ ራእያት ከዓ ርእሰይ ኣጨነቐኒ።
16
ካብቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ናብ ሓደ ቕርብ ኢለ፥ ብዛዕባ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክገልፀለይ ጠየቕክዎ። ንሱውን ትርጕም እቲ ነገር ገለፀለይ።
17
እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ዝትስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።
18
እቶም ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ቅዱሳን ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽቕበልዋ እዮም፤ ነታ መንግስቲ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ክወርስዋ እዮም።
19
ድሕሪዙይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣስናኑ ሓፂን፥ ኣፅፋሩ ኸዓ ነሃስ ዝኾነ፥ ዝውሕጥን ዝሰባብርን፥ ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋግፅ ዝነበረን፥ ካብ ካልኦት ኣራዊት ዝተፈልየን፥ እምብዛ ዘፍርሕን ራብዓይ ኣራዊት ክፈልጥ ደለኹ።
20
ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰርተ ኣቕርንትን፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ሰለስተ ኣቕርንቲ ዝወደቑ፥ ደሓር ዝወፀ ንእሽተይ ቀርኒን፥ እቲ ኣዒንቲ ዝነበራኦ፥ ብትዕቢት ዝዛረበሉ ኣፍ ዝነበሮ፥ ትርኢቱ ድማ ኻብቶም ካልኦት የመና ዘፍርሕ ዝነበረ ቐርኒ፥ ክፈልጥ ደለኹ።
21
ክጥምት እንተለኹ ኸዓ እቲ ቐርኒ፥ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን እግዚኣብሄር ኲናት ኣዊጁ ሰዓሮም።
22
እዙይ ዝኸውን፥ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ክሳዕ ዝመፅእ፥ ፍርዲ ኸዓ ነቶም ቅዱሳን እቲ ልዑልውን፥ ኣምላኽ ከዓ ኽሳዕ ዝህብ፥ ቅዱሳን እቲ ልዑል መንግስቲ ዝወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትበፅሕ ነበረ።
23
ንሱ ኸዓ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦ “እቲ ራብዓይ ኣራዊት፥ እቲ ኻብ ኵሉ መንግስታት ፍሉይ ዝዓይነቱ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝለዓል ራብዓይ መንግስቲ እዩ። ንሱ ንዅላ ምድሪ ኽውሕጥን ክረግፅን እዩ።
24
እቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸዓ፥ እቶም ካብዝ መንግስቲ እዙይ ዝትስኡ ዓሰርተ ነገስታት እዮም፤ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ፥ ካብቶም ቀዳሞት ዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ፥ ካልእ ክትስእ እዩ፤ ንሰለስተ ነገስታትውን ከውርዶም እዩ።
25
ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ፤ ንቅዱሳን እቲ ልዑልውን ከጨንቖም እዩ፤ ዘመናትን ሕግጋትን ክልውጥ ድማ ኽህቅን እዩ፤ ንሳቶምውን ንዘመንን፥ ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኽወሃቡ እዮም።
26
ግና ዙፋን ፍርዲ ኽዝርጋሕ እዩ፤ ፈፂሙ ምእንቲ ኽፀንትን ክጠፍእን ከዓ ግዝኣቱ ኻብኡ ኽውሰድ እዩ።
27
እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”
28
ፍፃመ እቲ ነገር ክሳዕ እዙይ እዩ። ኣነ ዳንኤልውን ሓሳባተይ ኬርና ኣጨነቐኒ፤ ገፀይ ተለወጠ፤ ነቲ ነገር ከዓ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።
← Chapter 6
Chapter 8 →