bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Daniel 11
Daniel 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣነውን ዳርዮስ ሜዶናዊ ምስ ነገሰ በታ ቐዳመይቲ ዓመት፥ ንእኡ ንኽሕግዝን ንኸበርትዖን ቆይመ ነበርኩ። ሕዚ ኸዓ ነቲ ሓቂ ኸፍልጠካ እየ” በለኒ።
2
ሕዚ እውን ሓቁ እገልፀልካ ኣለኹ፦ “እንሆ ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ክትስኡ እዮም። እቲ ደድሕሪኣቶም ዝትስእ ራብዓይ ድማ ኻብ ኵላቶም ዝበለፀ ኽህብትም እዩ። ብሃብቲ ምስ በርትዐ ድማ፥ ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ግሪክ ከተስኦም እዩ።
3
“ድሕሪኡ ዓብዪ ግዝኣት ዝገዝእን፥ ኵሉ ዝደለዮ ዝገብርን፥ ብርቱዕ ንጉስ ክትስእ እዩ።
4
ንሱ ብሓይሊ እናገነነ እንተሎውን፥ መንግስቱ ኽስበር እዩ፤ ኣብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽመቃቐል እዩ። መንግስቱ ተወሲዱ ናብ ካልኦት ክሓልፍ እዩ እምበር፥ ናብ ዘርኡ ኣይኸውንን። ግና ኸምቲ ንሱ ኽገዝእ እንተሎ ዝነበሮ ስልጣን ኣይህልዎን እዩ።
5
“እቲ ንጉስ ደቡብ የመና ኽብርትዕ እዩ። ሓደ ኻብ ኣሕሉቑ ኸዓ፥ ካብኡ የመና ዝበርትዐ ክኸውን እዩ፤ ግዝኣቱውን ዓብዪ ግዝኣት ክኸውን እዩ።
6
ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ሓድነት ክፈጥሩ እዮም፤ ጓል እቲ ንጉስ ደቡብ፥ ስምምዕ ንምግባር፥ ናብ ንጉስ ሰሜን ክትመፅእ እያ፤ ግና ሓይሊ ቕልፅማ ኣይፀንዕን፤ ንሱን ቅልፅሙንውን ኣይፀንዕን፤ ንሳን እቶም ዘምፅእዋን፥ እቲ ዝወለዳን፥ እቲ በቲ ጊዜ እቱይ ዝደገፋን፥ ሓሊፎም ክወሃቡ እዮም።
7
ካብ ሱራ ዝወፀ ውልዶ፥ ኣብ ስፍራኡ ኽለዓል እዩ፤ ንሰራዊት ንጉስ ሰሜን ክወግኦም፥ ኣብ ዕርዶም ኣትዩ ድማ ኽስዕሮም እዩ።
8
ንኣማልኽቶም፥ ምስ ናይ እቲ ፍሱስ ምስልታቶም፥ ምስቲ ኽቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቑሑኦም ማሪኹ፥ ናብ ግብፂ ኽወስዶ እዩ። ንቑሩብ ዓመታት ከዓ፥ ምስ ንጉስ ሰሜን እንተይተዋግአ ኽቕመጥ እዩ።
9
ንሱውን ናብ መንግስቲ ንጉስ ደቡብ ክመፅእ እዩ፤ ግና ናብ ምድሩ ኽምለስ እዩ።
10
“ደቁ ንውግእ ክዳለዉ፥ ብዙሕ ሰራዊትን ህዝብን ክእክቡ እዮም። ሓደ ኻብኣቶም ድማ ቐልጢፉ ኽመፅእ፥ ከም ውሕጅ ውሒጁ ኽሓልፍ ተመሊሱውን ክሳዕ እምባኡ ኽዋጋእ እዩ።
11
ንጉስ ደቡብ ኽቝጣዕ እዩ፤ ወፂኡውን ምስ ንጉስ ሰሜን፥ ክዋጋእ ኢሉውን ብዙሕ ህዝቢ ኸኽትት እዩ። እቶም ህዝቢ ሓሊፎም፥ ኣብ ኢዱ ክወሃቡ እዮም።
12
ነቶም ህዝቢ ክወስዶም እዩ፤ ልቡ ኸዓ ኽዕበ እዩ፤ ኣእላፋትውን ከውድቕ እዩ፤ ግና ኣየሸንፍን።
13
“እቲ ንጉስ ሰሜን ክምለስ፥ ካብቲ ናይ ቅድም ዝበዝሕ ህዝቢ እውን ንውግእ ከኽትት እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘመናትን ዓመታትን ድማ፥ ምስ ብዙሕ ሰራዊትን ሃብትን ክመፅእ እዩ።
14
በቲ ዘመን እቱይ፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ ብዙሓት ክለዓሉ እዮም። ካብ ማእኸል ህዝብኻ ደቂ ዓመፀኛታት ነቲ ራእይ ከፅንዑ ኽትስኡ እዮም፤ ግና ኽወድቁ እዮም።
15
ንጉስ ሰሜን ክመፅእ እዩ፤ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸዓ ሓመድ ክድልድልን ክሕዛን እዩ፤ እቶም ናይ ደቡብ ሰራዊት ኣይዋግኡን እዮም፤ እቶም ሕሩያቶም እኳ፥ ንምቅዋም ዝኸውን ሓይሊ የብሎምን።
16
እቲ ዝመፀ ግና ኸም ዝደለዮ ኽገብር እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐውምውን የለን። ንሱ ኣብታ ፅብቕቲ ምድሪ ኽቐውም እዩ። ብኢዱውን ብዙሕ ጥፍኣት ክኸውን እዩ።
17
“ምስ ኵሉ ሓይሊ መንግስቱ ገፁ ኸፅንዕ ክመፅእ እዩ። ምስኡውን ሓድነት ክገብር እዩ፤ ምእንቲ ኸርክሳ ጓል ኣንስተይቲ ኽህቦ እዩ። ንሳውን ኣይትፀንዕን፤ ንእኡውን ኣይትኸውንን እያ።
18
ድሕሪዙይ ናብተን ደሴታት ገፁ ኽመልስ እዩ፤ ንብዙሓት ከዓ ኽሕዘን እዩ። ሓደ ሓለቓ ግና ነቲ ፀርፉ ኸወግዶ እዩ፤ ናብ ባዕሉውን ክመልሰሉ እዩ።
19
ናብ እምባታት ሃገሩውን ገፁ ኽመልስ እዩ፤ ግና ተሰናኺሉ ኽወድቕ እዩ፤ መሊሱውን ኣይርከብን እዩ።
20
“እቲ ብእኡ ዝትካእ፥ ክብሪ መንግስቱ ንምሕላው፥ ግብሪ ዘገብሩ ኽልእኽ እዩ፤ ይኹን እምበር ብቝጥዓ ወይ ብውግእ እንተይኮነ፥ ኣብ ውሽጢ ቑሩብ መዓልቲታት ክጠፍእ እዩ።”
21
“ንእኡ ተኪኡ፥ ሓደ ዝተንዓቐ ኽብሪ መንግስቲ ዘይተውሃቦ ሰብ፥ ክለዓል እዩ፤ ቀስ ኢሉ ኽመፅእ፥ እናቀባጠረ ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ እዩ።
22
እቲ ዝውሕዝ ሰራዊትውን ካብ ቅድሚኡ ኽውሰድ እዩ፤ ንሱን ሓለቓ ቃል ኪዳኑን፥ ክስበሩ እዮም።
23
ምስኡ ስምምዕ ምስ ገበረ፥ ብተንኰል ስራሑ ኽሰርሕ እዩ። ምስ ውሑዳት ሰባት ወፂኡ ድማ እናበርትዐ ክኸይድ እዩ።
24
ቀስ ኢሉ ድማ፥ ናብተን ልምሉማት ክፍልታት እታ ሃገር ክኣቱ እዩ፤ ኣቦታቱን ኣቦ ሓጐታቱን እኳ፥ ከቶ ዘይገበርዎ ኽገብር እዩ። ነቲ ዅሉ ኣብ ውግእ ዝማረኾን ዝዘመቶን ሃብቲ ኸዓ፥ ኣብ ማእኸሎም ክብትኖ እዩ፤ ነተን ፅኑዓት ከተማታት ክዋግአን መደብ ከውፅእ እዩ። እዙይውን ንቑሩብ ጊዜ እዩ።
25
“ዓብዪ ሰራዊት ሒዙ፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ፥ ብዓብዪ ሓይልን ትብዓትን ክለዓል እዩ። ንጉስ ደቡብ ከዓ፥ ዓቢይን ብርቱዕን ሰራዊት ኣኽቲቱ ኽዋግኦ እዩ። ግና ኻብቲ ዝተፍሓሰሉ ሻራ ዝተልዓለ ኽቐውም ኣይኽእልን እዩ።
26
እቶም ኣብ ማእዱ ዝበልዑ ዝነበሩ፥ ከጥፍእዎ ኸሻርዉ እዮም፤ ካብ ሰራዊቱ ኽውሕጅ እዩ፤ ብዙሓትውን ተወጊኦም ክወድቁ እዮም።
27
ክልቲኦም ነገስታት በብልቦም ክፉእ ክሓስቡ፥ ኣብ ሓንቲ ማእዲ ሓቢሮም ክቕመጡ እዮም፤ ንስንሳቶም ድማ ሓሰት ክዛረቡ እዮም። ግና እቲ ዝተመደበ ጊዜ ስለ ዘይበፅሐ፥ ኣይሰምረሎምን እዩ።
28
ንጉስ ሰሜን፥ ምስ ብዙሕ ገንዘብ ናብ ምድሩ ኽምለስ እዩ። ልቡውን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ክኸውን እዩ፤ ዝደለዮ ኽገብር እዩ፤ ናብ ምድሩ ኸዓ ኽምለስ እዩ።
29
“በታ ምድብቲ ጊዜ ተመሊሱ ናብ ደቡብ ክመፅእ እዩ፤ ግና በዝ ጊዜ እዙይ እቲ ዳሕረዋይ ከምቲ ቐዳማይ ኣይኸውንን እዩ።
30
መራኽብ ኪቲም ክመፃኦ እየንሞ፥ ሓዚኑ ኽምለስ እዩ። “ሽዑ ቝጥዓኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ከውርድ እዩ። ነቶም ነቲ ዝተቐደሰ ኺዳን ዝሓደጉ ድማ ኽሰምዖም እዩ።
31
እቶም ሰራዊት ምስኡ ኽቖሙ እዮም፤ መቕደስን ቅፅሩን ድማ ኸርክሱ እዮም፤ ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ እውን ከውግዱ እዮም፤ ነቲ ጥፍኣት ዘምፅእ፥ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ከቑሙ እዮም።
32
እቶም ነታ ኺዳን ዝጠለሙ፥ እናታለለ ኸስሕቶም እዩ፤ እቶም ንኣምላኾም ዝፈልጡ ህዝቢ ግና፥ ክብርትዑን ከስልጡን እዮም።
33
እቶም ኣብ ማእኸል ህዝቢ ዘለዉ ጥበበኛታት፥ ዝኾኑ ሰባት ንብዙሓት ክምህሩ እዮም። ግና ንቑሩብ ጊዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታ ሓዊን ብምርኮን ብዘመተን ክወድቑ እዮም።
34
ክወድቑ እንተለዉ ውሑድ ሓገዝ ክረኽቡ እዮም፤ ግና ብዙሓት ብግብዝና ኽተሓባበርዎም እዮም።
35
ክሳዕ ፍፃመ ዘመን፥ ምእንቲ ዝፀረዩን ዝነፀሩን ኣበር ዘይብሎምን ክኾኑ፥ ካብቶም ጠቢባን ሓድሓደ ኽወድቑ እዮም፤ እቲ ውሱን ጊዜ ገና ኣይበፅሐን እዩ።
36
“እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ።
37
ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኽብሪ ኣይህብን፤ ነቲ ኣንስቲ ዝደልያኦ ኣይግደሰሉን። ንባዕሉ ልዕሊ ዅሉ ገይሩ ስለ ዝሓስብ፥ ኣምላኽ ንዝኾነ ዅሉ ኣየኽብርን።
38
ክንድኡ ንኣምላኽ እምባታት ከኽብር እዩ፤ ነቲ ኣቦታቱ ዘይፈልጥዎ ኣምላኽ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብክቡር ኣእማንን ብዝኸበረ ኣቑሑን ከኽብሮ እዩ።
39
ብባዕዲ ኣምላኽ ተሓጊዙ፥ ነተን ፅኑዓት እምባታት ከምዙይ ክገብረን እዩ፤ ነቶም ንእኡ ዝግዝኡሉ፥ ክብሪ ኸብዝሐሎም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ብዙሓትውን ከግዝኦም እዩ። ከም ዓስቢ ኸዓ፥ ነታ ምድሪ ክኸፋፍላ እዩ።
40
“ኣብ መወዳእታ ዘመን፥ ንጉስ ደቡብ ምስኡ ኽዋጋእ እዩ። ንጉስ ሰሜን ድማ ብሰረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን፥ ከም ንፋስ ኣውሎ ኾይኑ ኽመፆ እዩ፤ ናብተን ሃገራት ድማ ኽኣቱን ክውሕጅን ክሓልፍን እዩ።
41
ናብታ ፅብቕቲ ምድሪ ኽኣቱ እዩ። ብዙሓት ሃገራት ድማ ኽወድቃ እየን፤ ግና ኤዶምያስን ሞኣብን እቶም ኣውራታት ደቂ ኣሞንን፥ ካብ ኢዱ ኸምልጡ እዮም።
42
ኣብ ልዕሊ ሃገራት ድማ ኢዱ ኽዝርግሕ እዩ። ሃገር ግብፂውን ኣይተምልጥን እያ።
43
ንሱ ኣብቲ መዛግብቲ ወርቅን ብሩርን ክቡር ኣቕሓ ግብፅን ክስልጥን እዩ። ሊብያን ኢትዮጵያን ከዓ ኽስዕብዎ እዮም።
44
ግና ኻብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዝመፅእ ወረ ኸሸብሮ እዩ እሞ፥ ንብዙሓት ከጥፍእን ከፅንትን፥ ብዓብዪ ቝጥዓ ኽወፅእ እዩ።
45
ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እቲ ዝኸበረ ቅዱስ እምባን፥ ድንኳን ቤተ መንግስቱ ኽተክል እዩ። ግና ናብ ፍፃሜኡ ኽበፅሕ እዩ፤ ዝሕግዞውን የብሉን።”
← Chapter 10
Chapter 12 →