bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Daniel 10
Daniel 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ቂሮስ ኣብ ፋርስ ምስ ነገሰ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ብልጣሶር ንዝተብሃለ ዳንኤል ራእይ ተርኣዮ። እቲ ነገር ሓቂ እዩ፤ ንሱውን ዓብዪ ውግእ ዝገልፅ ነበረ። ነቲ መልእኽቲ ምእንቲ ኽርዳእ፥ ብራእይ ምስትውዓል ተውሃቦ።
2
በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ።
3
እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳዕ ዝውድኣ፥ ጥዑም መብልዕ ኣይበላዕኹን፤ ስጋን ወይንንውን ኣብ ኣፈይ ኣይኣተወን፤ ዘይትውን ኣይተቐባእኹን።
4
ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ፥ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ፈለግ ጤግሮስ ነበርኩ።
5
ዓይነይ ቈላሕ ምስ ኣበልኩ ድማ፥ እንሆ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተኣልመ ዓለባ ዝተኸድነ፥ ኣብ ሕቘኡ ድማ ፅሩይ ወርቂ ዝናር ዝተቐነተ ሰብኣይ ረአኹ።
6
ሰብነቱ ኸም ዘንፀባርቕ ዕንቊ፥ ገፁ ኸም መብረቕ፥ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ፋና፥ ቀላፅሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ነሃስ፥ ድምፂ ቓላቱ ድማ ኸም ድምፂ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።
7
ነቲ ራእይ ዝረአኽዎ ኣነ በይነይ ዳንኤል እየ፤ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት፥ ነቲ ራእይ ኣይረአይዎን፤ ግና ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ወዲቕዎም ክሕብኡ ሃደሙ።
8
ሽዑ ኣነ በይነይ ተረፍኩ፤ ነዝ ዓብዪ ራእይ እዙይውን ረአኹ፤ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ሕብሪ ገፀይውን ተለወጠኒ።
9
ድምፂ ቓሉ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ቓሉ ምስ ሰማዕኹ፥ ደንጊፀ ናብ ምድሪ ብግምባረይ ተደፋእኹ።
10
እንሆ ሓደ ኢድ ዳህሰሰኒ፤ ብብርከይን ብኢደይንውን ኣቖመኒ።
11
ንሱውን “ኣታ ዝተፈተኻ ዳንኤል፥ ኣነ ሕዚ ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ፤ ቀጥ ኢልካ ደው በል እሞ፥ ነዝ ዝነግረካ ቓል ኣስተውዕሎ” በለኒ። እዝ ቓል እዙይ ምስ ተዛረበኒ፥ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።
12
መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ ኣይትፍራሕ፥ ካብታ ምስትውዓል ክትረክብ ኢልካ፥ ርእስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ፀሎትካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፥ ኣነውን ምእንቲ ቓልካ መፂአ እኒሀኹ።
13
እቲ ሓለቓ መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸዓ ሓደ ኻብቶም ዋናታት ኣሕሉቕ፥ ሚካኤል ክሕግዘኒ መፀ። ኣነውን ምስቶም ነገስታት ፋርስ ኣብኡ ሓደግክዎ።
14
እዝ ራእይ እዙይ ንኽፍፀም፥ ገና ብዙሕ ዘመን ስለ ዝተረፎ፥ ንቕድሚት ንዳሕረዋይ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝኸውን ክገልፀልካ፥ ሕዚ ናባኻ መፂአ ኣለኹ” በለኒ።
15
ነዝ ቃላት እዙይ እናተናገረኒ እንተሎ፥ ገፀይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ፤ በሃምውን ኮንኩ።
16
ድሕሪኡ ወዲ ሰብ ዝመስል ከናፍረይ ነኽአኒ፤ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ ዝነበረውን ከምዙይ በልኩዎ፤ “ኦ ጐይታ፥ ካብቲ ራእይ ዝተልዓለ ተሳቐኹ፤ ሓይልውን ስኢነ ኣለኹ።
17
ኣነስ ዝኾነ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ምትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፥ ኣነ ባርያኻ፥ ምሳኻ ምስ ጐይታይ፥ ከመይ ኢለ ኽዛረብ እኽእል?” በልክዎ።
18
ሽዑ እቲ ሰብ ዝመስል፥ ዳህሰሰኒ፤ ኣበርትዐኒውን።
19
ንሱ ኸዓ “ኣታ የመና ዝተፈተኻ ሰብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ በርትዕ፤ ፅናዕ” በለኒ። እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ” በልኩዎ።
20
ንሱ ድማ፥ “ስለ ምንታይ ናባኻ ኸም ዝመፃእኹዶ ፈሊጥካ ኣለኻ? ሕዚ ኸዓ ምስ ሓለቓ ፋርስ ክዋጋእ ቀልጢፈ ኽምለስ እየ። ኣነ ኽወፅእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ እቲ ሓለቓ ግሪክ ክመፅእ እዩ።
21
ኣቐዲመ ግና፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ሓቂ ዝተፅሓፈ እነግረካ ኣለኹ፤ ነዚኣቶም ንምቅዋም፥ ብዘይ ሚካኤል፥ እቲ ሓለቓኹም፥ ሓደ እኳ ዝረድአኒ የለን።”
← Chapter 9
Chapter 11 →