bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 28
Acts 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብድሓን ናብ ምድሪ ምስ በፃሕና፥ እታ ደሴት “መላጥያ” ከም እትብሃል ፈለጥና።
2
እቶም ደቂ ዓዲ ድማ፥ የመና ራህርሁልና፤ ፅቡቕ ድማ ገበሩልና፤ ሽዑ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረ፥ ቍሪውን ስለ ዝነበረ፥ ሓዊ ኣንዲዶም ብፅቡቕ ተቐበሉና።
3
ጳውሎስ ከዓ፥ ብዙሕ ጭራሮ ኣኪቡ፥ ናብ ሓዊ ኸእቱ እንተሎ፥ ካብ ሙቐት እቲ ዝነድድ ሓዊ ዝተልዓለ፥ ኣፍዑት ወፂኣ ንኢዱ ነኺሳ ተንጠልጠለት።
4
እቶም ደቂ ዓዲ ኸዓ፥ እታ ኣፍዑት ኣብ ኢዱ ኣንጠልጢላ ምስ ረአዩዋ፥ ንስንሳቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ብርግፅ ቀታሊ ነፍሲ እዩ፤ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነ፥ ፍርዲ እግዚኣብሄር ብህይወት ክነብር ኣይሓደጎን” ተበሃሃሉ።
5
ጳውሎስ ግና ነታ ኣፍዑት፥ ናብቲ ሓዊ ነፀጋ፤ ሓደኳ ጕድኣት ኣይረኸቦን።
6
ንሳቶም ግና ዝሓብጥ እሞ፥ ሽዑ ንሽዑ ዝመውት መሲልዎም ነበረ። እናረአይዎ ድማ ንነዊሕ ጊዜ ፀንሑ፤ ዝኾነ ጕድኣት ከም ዘይበፅሖ ምስ ረአዩ፥ ቃሎም ለዊጦም “እዙይስ ኣምላኽ እዩ” በሉ።
7
ኣብታ ቦታ፥ ፑፕልዮስ ዝበሃል ገዛኢ እታ ደሴት ከዓ፥ ኣብ ጥቓ እታ ስፍራ እቲኣ መሬት ነበሮ። ንሱ ብፅቡቕ ተቐቢሉ ንሰለስተ መዓልቲ፥ ኣብ ገዛኡ ኣአንገደና።
8
ኣቦ ፑፕልዮስ ድማ፥ ረስንን ውፅኣትን ሓሚሙ ነበረ፤ ጳውሎስ ከዓ ናብኡ ኣትዩ ፀለየሉ፤ ኣእዳዉ ኣንቢሩውን ኣሕወዮ።
9
ከምኡውን ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ሕሙማት፥ ናብኡ እናመፁ ተፈወሱ።
10
ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ኣኽበሩና፤ ብመርከብ ክንለዓል እንተለናውን፥ ንጕዕዞና ዘድልየና ዅሉ ሂቦም፥ ኣፋነውና።
11
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸዓ፥ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት፥ ናይ ዲዮስቆሮስ ዝተብሃለት፥ ናይ መንታ ኣማልኽቲ ምልክት ዝነበራ መርከብ እስክንድርያ ጌርና ተልዓልና።
12
ኣብ ሰራኩስ ምስ በፃሕና ድማ፥ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ፀናሕና።
13
ካብኣ ሓሊፍና ኸዓ፥ ናብ ሬጊዩም ኣተና፤ ንፅባሒቱ ተልዒልና፥ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ንፋስ ደቡብ ነፈሰ እሞ፥ ብኻልአይቲ መዓልቲ ፑቲዮሉስ በፃሕና።
14
ኣብኣ ድማ ኣሕዋት ረኸብና እሞ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስኣቶም ክንቅኒ ለመኑና፤ ብድሕሪኡ ናብ ሮሜ ከድና።
15
እቶም ኣሕዋት ወረና ምስ ሰምዑ፥ ክሳዕ እቲ ኣጵያስ ዝበሃል ዕዳጋን ክሳዕ “ሰለስተ መሕደሪ” እትብሃል ቦታን መፂኦም ተቐበሉና፤ ጳውሎስ ከዓ ምስ ረአዮም፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ፤ የመናውን ተፀናንዐ።
16
ኣብ ሮሜ ምስ ኣተና ኸዓ፥ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ነቶም እሱራት፥ ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንጳውሎስ ግና፥ ምስ ሓደ ዝሕልዎ ወታደር ንበይኑ ኽቕመጥ ፈቐደሉ።
17
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ጳውሎስ ነቶም መራሕቲ ኣይሁድ ፀዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ድማ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ምስ ህዝብና ኾነ ወይ ምስ ስርዓት ኣቦታትና፥ ዝፃረር ነገር እኳ ኣይገበርኩን፤ እንተ ኾነ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ብእሱረይ፥ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕሊፎም ሃቡኒ።
18
ንሳቶም መርሚሮም፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ ምኽንያት ምስ ሰኣኑለይ ከዓ፥ ክፈትሑኒ ደለዩ።
19
ኣይሁድ ምስ ተቓወሙኒ ግና፥ ንህዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዘይብለይ እንተለኹ፥ ናብ ቄሳር ይግባይ ክብል ተገደድኩ።
20
እምበኣር ብዛዕባ እታ ተስፋ እስራኤል እየ፥ በዝ መቝሕ እዙይ ተኣሲረ ዘለኹ። በዝ ምኽንያት እዙይ እየ ኸዓ፥ ክሪአኩምን ክዛረበኩምን ዝፀዋዕኩኹም” በሎም።
21
ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባኻ፥ ካብ ሃገር ይሁዳ መልእኽቲ ኣይተቐበልናን፤ ካብ ኣሕዋትውን መፂኡ ዝገለፀልና ወይ ብዛዕባኻ ኽፉእ ዝነገረና የለን።
22
ብዛዕባ እዛ እምነት እዚኣ ግና፥ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዝቃወምዋ፥ ንፈልጥ ኢና እሞ፥ እቲ ንስኻ እትሓስቦ፥ ካባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኢና” በልዎ።
23
መዓልቲ ምስተቛፀሩ ድማ፥ ብዙሓት ኮይኖም ናብታ ዝነብረላ ዝነበረ ገዛ መፁ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት፥ ካብ ሕጊ ሙሴን መፃሕፍቲ ነቢያትን፥ ብዛዕባ ኢየሱስ እናረድአ፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናመስከረ ገለፀሎም።
24
ገሊኣቶም ነቲ ዝተነግረ ኣመንዎ፤ ገሊኣቶም ግና ምእማን ኣበዩ።
25
ጳውሎስ፥ ነዝ ዝስዕብ ቃል ምስ ተዛረበ፥ ንስንሳቶም ምስምማዕ ስኢኖም ተፈላለዩ፤ “መንፈስ ቅዱስ፥ ብነቢይ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ከምዙይ እናበለ ዝተዛረቦም፥ ፅቡቕ ገበረ፦
26
‘ናብዝ ህዝቢ እዙይ ኺድ እሞ፥ ምስማዕ ክትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይ ክትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይትርድኡን፥ ኢልካ ንገሮም።
27
በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣፅመሙ፤ በዒንቶም ከይሪኡ ኣዒንቶም ኣዐመቱ፤ ብልቦም ከየስተውዕሉ እሞ ኸይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምስ፥ ልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድንዙዝ እዩ።’
28
“እምበኣርከስ፥ እዝ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ንኣህዛብ ከም ዝኸውን ፍለጡ፤ ንሳቶም ከዓ ኽቕበልዎ እዮም።”
29
እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣይሁድ ንስንሳቶም ብዙሕ እናተኻትዑ ወፁ።
30
ጳውሎስ ከዓ፥ ኣብታ ዝተኻረያ ገዛ፥ ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፤ ነቶም ናብኡ ዝመፁ ዅሎምውን ይቕበሎም ነበረ።
31
እንተይተኸልከለ ኸዓ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ብብዙሕ ትብዓት ይሰብኽ፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ይምህር ነበረ።
← Chapter 27