bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 27
Acts 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተወሰነ፥ ንጳውሎስን ንኻልኦት እሱራትን፥ ነቲ ኣብ ሰራዊት ቄሳር ሓለቓ ሚእቲ ዝኾነ ዩልዮስ ዝስሙ ኣመሓላለፍዎም።
2
ናብ ሃገር እስያ ዝነቐለት፥ ካብ ኣድራሚጢስ ዝመፀት መርከብ ጌርና ጕዕዞና ጀመርና። ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብር ኣርስጣርኮስ ዝተብሃለ መቄዶንያዊ ድማ፥ ምሳና ኸደ።
3
ብፅባሒቱ ኣብ ሲዶና በፃሕና፤ ዩልዮስ ከዓ ንጳውሎስ ራህርሀሉ፤ ናብ ፈተውቱ ኽበፅሕ እሞ፥ ካብኣቶም ሓገዝ ኽረክብውን ፈቐደሉ።
4
ካብኣ ተልዒልና ኸዓ፥ ንፋስ ኣብ ቕድሜና ስለ ዝነበረ፥ ንቆጵሮስ ከውሊ ጌርና ሓለፍና።
5
ኣብ ጥቓ ቂልቅያን ጵምፍልያን ዘሎ ባሕሪ ሓሊፍና፥ ናብታ ኣብ ሃገር ሉቅያ እትርከብ ሙራ ናብ እትበሃል ወደብ ኣተና።
6
እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ኣብኣ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ ናይ እስክንድርያ መርከብ ረኸበ እሞ ናብኣ ኣደየበና።
7
እታ መርከብ፥ ብዙሕ መዓልቲ ሰለይ እናበለት ትጐዓዝ ነበረት፤ ብጭንቂ ድማ፥ ኣብ ማዕዶ ቀኒዶስ በፃሕና፤ ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ ምስ ከልከለና ኸዓ፥ ንቀርጤስ ከውልና ጌርና፥ ብማዕዶ ሰልሙና ሓለፍና።
8
ብብዙሕ ጭንቂ ፀግዓ ፀግዒ ምስ ሓለፍና፥ ኣብ ጥቓ ኸተማ ላስያ እትርከብ “ፅብቕቲ ወደብ” ናብ እትብሃል በፃሕና።
9
ከምዙይ ኢሉውን ብዙሕ ጊዜ ሓለፈ፤ እቲ መዓልቲ ፆም ኣይሁድ ምስ ሓለፈ፥ ብባሕሪ ምጕዓዝ ዘፀግመሉ ወርሓት ስለ ዝኾነ፥ ጳውሎስ፦
10
“ኣቱም ሰባት ስምዑኒ፤ ጕዕዞና ንመርከብን ፅዕነትን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንህይወትና ብዙሕ ጥፍኣትን ጕድኣትን ከም ዘስዕብ ይረአየኒ ኣሎ” ኢሉ መኸሮም።
11
እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና፥ ካብቲ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ዘረባ፥ ነቲ መራሒ መርከብን ነቲ ዋናኡን ኣብሊፁ ይኣምን ነበረ።
12
እቲ ወደብ፥ ክረምቲ ክኸርሙሉ ዘይምቾ ስለ ዝነበረ፥ መብዛሕትኦም ካብኡ ኽወፁ፥ እንተ ተኻኢልዎም ከዓ፥ ኣብ ፍንቄ ክኸርሙ መኸሩ። ንሳ እታ ናብ ደቡባዊ ምዕራብን፥ ሰሜናዊ ምዕራብን ኣቢላ እትርኢ፥ ናይ ቀርጤስ ወደብ ነበረት።
13
ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸዓ፥ ከም ሓሳቦም ዝኾነሎም መሲልዎም፥ መልህቅ ኣልዒሎም ብፀግዒ ቀርጤስ ሓለፉ።
14
ሽዑ ኸዓ ብዙሕ እንተይደንጐየ “ሰሜናዊ ምብራቕ” ዝበሃል ህቦብላ ንፋስ፥ ካብታ ደሴት ተልዓለ።
15
ነታ መርከብ ደፊኡ ምስ ወሰዳ ኸዓ፥ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፥ ናብ ዝኸደት ትኪድ ኢልና ሓደግናያ።
16
ኣብ ከውሊ እታ ቄዳ እትበሃል ደሴት ምስ በፃሕና ድማ፥ ብብዙሕ ጭንቂ፥ ንጃልባ እታ መርከብ ክነድሕና ኸኣልና።
17
ነታ ጃልባ ስሒቦም ምስ ኣውፅእዋ፥ ነታ መርከብ ብታሕቲ ብገመድ ኣሰርዋ። ኣብ ድበት ሑፃ፥ ናብ ስርቲስ ከይወድቁ ፈሪሖም ድማ፥ ነቲ ጋንፅላ ጠቕሊሎም፥ ብንፋስ ክትከይድ ሓደግዋ።
18
ንፅባሒቱ ማዕበል እናበርትዐና ምስ ከደ ድማ፥ ካብቲ ፅዕነት፥ ናብ ባሕሪ ኽድርብዩ ጀመሩ።
19
ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ፥ ነቲ መሳርሒታት መርከብ፥ በእዳዎም እናልዓሉ ደርበይዎ።
20
ብዙሕ መዓልቲ፥ ፀሓይ ኮነ ከዋኽብቲ እንተይረአና ቐነና፤ እቲ ማዕበል እናበርትዐና ምስ ከደ ኸዓ፥ ኵሉ ተስፋ ድሕነት ህይወትና፥ ፈፂምና ቐበፅናዮ።
21
እኽሊ እንተይጠዓሙ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ፥ ጳውሎስ ኣብ ማእኸል ደው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ምኽረይ ሰሚዕኹምኒ እንተትኾኑ ኔርኩም፥ ካብ ቀርጤስውን እንተ ዘይትወፁ፥ እዝ ዅሉ መከራን ጕድኣትን ኣይምረኸበኩምን ነይሩ።
22
ሕዚ ድማ ብዘይ እታ መርከብ፥ ካባና ሓደኳ ኣይጕዳእን እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሑ እብለኩም ኣለኹ።
23
በዛ ለይቲ እዚኣ፥ እቲ ኣነ ናቱ ዝኾንኩን ዘገልግሎን እግዚኣብሄር፥ ዝለኣኾ መልኣኽ፥ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ፥
24
‘ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቄሳር፥ ደው ክትብል ኢኻ፤ እንሆ ነቶም ምሳኻ ዝጐዓዙ ዅላቶምውን፥ እግዚኣብሄር ሂቡካ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍራሕ’ በለኒ።
25
ሕዚ እውን ኣቱም ሰባት ኣይዞኹም፤ ኣነ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዝኸውን፥ ንእግዚኣብሄር እኣምኖ እየ።
26
እንተ ኾነ፥ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንበፅሕ ኣለና” በሎም።
27
ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ለይቲ፥ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ንፋስ እናጋፍዐና ኽንከይድ እንተለና፥ እቶም መርከበኛታት ኣብ ፍርቂ ለይቲ፥ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም።
28
ሽዑ መለክዒ እንተ ኣውረዱ፥ ኣርብዓ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ። ካብኡ ቑሩብ ሕልፍ ኢሎም ከዓ፥ ካልኣይ መለክዒ ኣውረዱ እሞ፥ ሰላሳ ሜትር ኮይኑ ረኸብዎ።
29
ምስ ኰኵሒ ኸይላተሙ ፈሪሖም ከዓ፥ ብወገን ድሕሪት እታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ፤ ክወግሐሎም ድማ ፀለዩ።
30
እቶም መርከበኛታት ድማ፥ ካብታ መርከብ ክሃድሙ ደልዮም፥ ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዘውርዱ መሲሎም፥ ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ።
31
ጳውሎስ ከዓ፥ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ወታደራትን “እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይፀኒሖም፥ ንስኻትኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።
32
ሽዑ እቶም ወታደራት መእሰሪ እታ ጃልባ በቲኾም፥ ክትወድቕ ሓደግዋ።
33
ምስ ወግሐ፥ ጳውሎስ “እናተፀበኹም እኽሊ ኻብ ዘይትጥዕሙ ሎሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ እሞ፥ እንጀራ ብልዑ” ኢሉ ንዅሎም ለመኖም።
34
“እምበኣርከስ፥ ካባኻትኩም ናይ ሓደ ፀጕሪ ርእሱ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽትፀንሑ፥ ክትበልዑ እልምነኩም ኣለኹ” በሎም።
35
እዙይ ምስ በለ እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ፤ ቈሪሱ ድማ ኽበልዕ ጀመረ።
36
ኵላቶም ከዓ ተፀናንዑ፤ እንጀራውን በልዑ።
37
ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዅላትና፥ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሽዱሽተን ሰባት ነበርና።
38
በሊዖም ምስ ፀገቡ ኸዓ፥ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፥ ነታ መርከብ ኣቃለሉላ።
39
ምስ ወግሐ ነቲ ምድሪ ምልላዩ ሰኣኑ፤ ኣማዕድዮም ግና ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረአዩ እሞ፥ እንተ ተኽኢልዎምስ ነታ መርከብ ናብኡ ኸብፅሕዋ ደለዩ።
40
ነቲ መልህቅ ከዓ ፈቲሖም፥ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ ሽዑ ነቲ መእሰሪ ስካን ፈትሕዎ፤ ነቲ ንእሽቶይ ጋንፅላ ንንፋስ ገቲሮምውን፥ ናብቲ ገምገም ገፆም ከዱ።
41
ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በፅሑ ኸዓ፥ እታ መርከብ ብወገን ቅድሚታ፥ ኣብ ምድሪ ተሸኽለት እሞ፥ ዘይትነቓነቕ ኮነት፤ ብድሕሪኣ ኸዓ ማዕበል በርቲዑዋ ተሰብረት።
42
እቶም እሱራት ምእንቲ ሓሚሶም ከየምልጡ፥ እቶም ወታደራት ነቶም እሱራት ክቐትልዎም ተማኸሩ።
43
እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ከድሕኖ ስለ ዝደለየ፥ ነቲ ምኽሮም ኣይተቐበሎን፤ እኳ ደኣ ነቶም ምሕማስ ዝኽእሉ፥ ሓሚሶም ናብ ምድሪ ኽወፁ ኣዘዘ።
44
ነቶም ዝተረፉ ኸዓ ገሊኣቶም ብሉሕ፥ ገሊኣቶምውን ብስባር እታ መርከብ ክወፁ ኣዘዘ። በዝ ኸምዙይ ኵላቶም ድሒኖም፥ ናብ ምድሪ በፅሑ።
← Chapter 26
Chapter 28 →