bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 23
1 Samuel 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንዳዊት ድማ፥ “እንሆ ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ ይወግእዋ፤ ዓውድታትውን ይወርሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
2
ሽዑ ዳዊት “ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ኪድ፥ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእኻ ንቅዒላ ኣድሕና” በሎ።
3
ግና እቶም ሰዓብቲ ዳዊት “እንሆ፥ ንሕና ኣብዙይ ኣብ ይሁዳ እንተለና እኳ እንፈርሕ ዘለናስ፥ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኼድና ግዳ ምፍራሕና ኽገድድዶ ኣይኮነን?” በልዎ።
4
ዳዊት ከዓ መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ናብ ቅዒላ ኼድካ ተዋግኣዮም” ኢሉ መለሰሉ።
5
ዳዊት ከዓ ምስ ሰዓብቱ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፥ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ከብቶም ድማ ዘመተ፤ ብዙሕ ሰብ ከዓ ቐተለሎም። በዙይውን ነቶም ሰብ ቅዒላ ኣድሓኖም።
6
ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ፥ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኽሃድም እንተሎ ኤፉድ ተማሊኡ ወረደ።
7
ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝኣተወ ድማ ንሳኦል ነገርዎ። ሳኦል ከዓ “ናብታ ቕፅርን ማዕፆ ሓፂንን ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዓፅዩ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ” በለ።
8
ቀፂሉ ድማ ሳኦል ንዅሉ ሰራዊቱ ንውግእ ክኸቱን ናብ ቅዒላ ወሪዶም ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክኸብዎም ኣወጀ።
9
ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር “ኤፉድ ኣምፅእ” በሎ።
10
ከምዙይ ድማ በለ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ሳኦል ናብ ቅዒላ መፂኡ ብሰንከይ ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ ኸም ዝደሊ፥ ኣነ ባርያኻ ብርግፅ ሰሚዐ ኣለኹ።
11
ከምቲ ኣነ ባርያኻ ሰሚዐዮ ዘለኹ፥ ሳኦል ናብ ቅዒላዶ ኽወርድ እዩ? ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ክህቡኒ እዮም? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! በይዛኻ እዙይ ንኣይ ንባርያኻ ኣፍልጠኒ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ክወርድ እዩ” በሎ።
12
ዳዊት ድማ “ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰዓብተይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ክህቡና እዮም?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣሕሊፎም ክህቡኹም እዮም” በሎ።
13
ሽዑ ዳዊትን እቶም ሽዱሽተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰዓብቱን ተልዒሎም ካብ ቅዒላ ወፁ፤ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ድማ ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ሳኦል ከዓ፥ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዝሃደመ ምስ ነገርዎ፥ ምውፃእ ሓደገ።
14
ዳዊት ድማ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ተቐመጠ፤ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ዘሎ ኾረብታውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከዓ ዅሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፤ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ኣይሃቦን።
15
ዳዊት፥ ሳኦል ክቐትሎ ደልዩ ኸም ዝወፀ ረአየ። ሽዑ ኣብታ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ እትርከብ ኣብ ሆረሽ ይቕመጥ ነበረ።
16
ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተሲኡ፥ ናብቲ ዳዊት ዘለዎ ናብ ሆረሽ ከደ፤ “እግዚኣብሄር ክሕልወካ እዩ” ኢሉውን ኣተባብዖ።
17
ኣስዒቡ ኸዓ “ኣቦይ ክጐድአካ ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ኻልኣይካ ክኸውን እየ፤ ነዙይ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ” በሎ።
18
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ኽልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉ። ዳዊት ኣብ ሆረሽ ተቐመጠ፤ ዮናታን ከዓ ናብ ቤቱ ተመለሰ።
19
ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዪቦም፦ “ዳዊት ኣብቲ ዱር ዘሎ ብየሴሞን ደቡብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ኤኬላ ተሓቢኡ ኣሎ።
20
ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ንጉስ! ኣብቲ ደስ ዝበለካ ጊዜ ውረድ፥ ንዳዊት ኣብ ኢድካ ኣሕሊፍና ምሃብ ግና ናትና ሓላፍነት እዩ” በልዎ።
21
ሳኦል ድማ “ስለ ዝሓሰብኩምለይ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም።
22
ንሱ የመና ጐራሕ ከም ዝኾነ፥ ነጊሮምኒ ኣለዉ እሞ፥ በይዛኻትኩም ኬድኩም ኣበይ ከም ዝመላለስን መን ከም ዝረአዮን ኣረጋጊፅኩም ፍለጡን ረአዩን።
23
እቲ ንሱ ዝሕብአሉ መሕብኢታት ርኢኹም ከዓ ፍለጡ፤ ምስ ኣረጋገፅኩም ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፥ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ። ኣብታ ምድሪ እንተ ተሓቢኡ፥ ካብ ማእኸል ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸውፅኦ እየ” በሎም።
24
ንሳቶም ከዓ ተሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ በረኻ ማዖን ብየሴሞን ብወገን ደቡብ ኣብ ዘሎ ጐልጐል ነበሩ።
25
ሳኦልን ሰዓብቱን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ። ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ናብቲ ኣኻውሕ ወሪዱ ኣብ ምድረ በዳ ማዖን ተቐመጠ። ሳኦል ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ደድሕሪ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ማዖን ሰዓበ።
26
ሳኦልን ሰዓብቱን ነቲ ጎቦ ብሓደ ወገኑ ኸዱ፤ ዳዊትን ሰዓብቱን ድማ ነቲ ጎቦ በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ። ሳኦልን ሰዓብቱን ድማ ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክሕዝዎም ከቢቦምዎም ነበሩ እሞ፥ ዳዊት ካብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ሃደመ።
27
ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መፂኡ “ነዛ ሃገር፥ ፍልስጥኤማውያን ይወርዋ ኣለዉ እሞ፥ ቀልጢፍካ ነዓ” በሎ።
28
ሳኦል ድማ ንዳዊት ምስጓጕ ሓዲጉ ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦም ከደ፤ ስለዙይ ከዓ ነታ ቦታ ኰዅሒ ምፍልላይ ኢሎም ሰመይዋ።
29
ዳዊት ካብኡ ደዪቡ ኣብቲ ናይ ዓይንጋዲ ፅኑዕ ቦታ ተቐመጠ።
← Chapter 22
Chapter 24 →