bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
1 Samuel 22
1 Samuel 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት ድማ ኻብ ጌት ሃዲሙ ናብታ ኣብ ጥቓ ኣዱላም ዘላ በዓቲ ተሓብአ። ኣሕዋቱን ኵሎም ቤት ኣቦኡን እዙይ ምስ ሰምዑ ኸዓ ናብኡ ወረዱ።
2
ኵሎም ግፍዒ ዝበፅሖምን ኵሎም ሰብ ዕዳን ኵሎም ነፍሶም ዝተመረረት ሰባትን ናብኡ ተኣከቡ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ ሓለቓ ኾነ። ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ምስኡ ነበሩ።
3
ካብኡ ድማ ዳዊት ናብ ምፅጳ ናይ ሞኣብ ከደ፤ ንንጉስ ሞኣብ ከዓ “ኣምላኽ ዝገብረለይ ክሳዕ ዝፈልጥስ፥ በይዛኻ ኣቦይን እኖይን ምሳኻትኩም ይፅንሑ” በሎ።
4
ናብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ድማ ኣምፅኦም፤ ክሳዕ እተን ዳዊት ኣብ እምባ ዝነበረለን መዓልቲታት ከዓ ምስኡ ተቐመጡ።
5
ነቢይ ጋድ ድማ ንዳዊት “ኣብዝ እምባዙይ ኣይትቀመጥ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሔሬት መፀ።
6
ሳኦል ድማ፥ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ሓደ ቦታ ኸም ዘለዉ ሰሚዑ ኣብ ገባዖን ዂናቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ኦም ተቐመጠ፤ ኵሎም ሹመኛታቱ ድማ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ።
7
ሳኦል ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሹመኛታቱ “ኣቱም ብንያማውያን፥ እስኪ ስምዑ፤ ወዲ እሴይስ ንዅልኹምዶ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ክህበኩም እዩ? ንዅልኹምከ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ክገብረኩም ድዩ?
8
ነዙይ ዲኹም ኵልኻትኩም ዝተመሳጠርኩምለይ? ወደይውን ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም ዝተኣታተወ፥ ሓደ እኳ ዝነገረኒ የለን። ወደይ ንሓሽከረይ ዳዊት፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ከተስአለይ እንተሎ፥ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝተገደሰለይን ዝገለፀለይን የለን” በሎም።
9
ሽዑ ምስቶም ሹመኛታት ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ፥ “ንወዲ እሴይ ናብ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብ ኖብ መፂኡ ሪአዮ ነይረ።
10
ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፤ ምግቢውን ሂብዎ፤ ሰይፊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ጎልያድ ከዓ ሂብዎ” ኢሉ ንሳኦል ነገሮ።
11
ሽዑ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብን ንዅሎም እቶም ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናት ኣዝማዱን ልኢኹ ፀውዖም። ኵላቶም ከዓ ናብ ንጉስ መፁ።
12
ሳኦል ድማ፥ “ኣታ ወዲ ኣኪጡብ፥ እስኪ ስምዐኒ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ፥ ጐይታይ” ኢሉ መለሰ።
13
ሳኦል ድማ “ንሱ ኸምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ኣብ ልዕለይ ክትስአኒ ንእኡ እንጀራን ሰይፍን ብምሃብካ፥ ምእንታኡውን ንኣምላኽ ብምጥያቕካ፥ ስለ ምንታይ ንስኻን ወዲ እሴይን ዝተመሳጠርኩምለይ?” በሎ።
14
ኣቢሜሌክ ከዓ ንንጉስ “ካብ ኵሎም ሹመኛታትካ ኸም ዳዊት ዝተኣመነ፥ ሰብኣይ ጓልካውን ዝኾነ፥ ሓለቓ ሓለውትኻ፥ ኣብ ቤተ መንግስትኻውን ዝኸበረ፥ መን ኣሎ?
15
ብርግፅ ንኣምላኽ ጠይቐሉ ነይረ፤ እዙይ ከዓ ሽዑ ናይ መጀመርታይ ኣይነበረን። ኣነ ሓሽከርካ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ፥ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ዝፈልጦ ነገር የብለይን እሞ፥ ንጉስ ንኣይን ንዅላ ቤት ኣቦይን ከም በደልቲ ኣይትቝፀረና” ኢሉ መለሰሉ።
16
ንጉስ ግና “ኣቢሜሌክ፥ ንስኻን ኵላ ቤት ኣቦኻን ብርግፅ ክትሞቱ ኢኹም” በሎ።
17
እቲ ንጉስ ከዓ ነቶም ከቢቦምዎ ዝቖሙ እግረኛታት “ዳዊት ከም ዝሃደመ ፈሊጦም እንተለዉ ስለ ዘይነገሩኒ፥ ልቦምውን ምስኡ ስለ ዝኾነት፥ ኬድኩም ንኻህናት እግዚኣብሄር ቅተልዎም” በሎም። እቶም ሹመኛታት ንጉስ ግና ንምቕታል ካህናት እግዚኣብሄር ኢዶም ከልዕሉ ኣይደለዩን።
18
ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶይቅ “ነዞም ካህናት፥ ንስኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ኤዶማዊ ዶይቅ ድማ ኸይዱ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ዝለበሱ ኻህናት ቀተለ።
19
ንኖብ፥ ነታ ኸተማ ኻህናት፥ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዓ፤ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝጠብዉ ህፃናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሰይፊ ቐተለ።
20
ሓደ ኻብቶም ደቂ ኣቢሜሌክ ወዲ ኣኪጡብ፥ ኣብያታር ዝስሙ፥ ግና መሊቑ ናብ ዳዊት ሃደመ።
21
ኣብያታር ከዓ፥ ሳኦል ንኻህናት እግዚኣብሄር ከም ዝቐተሎም ንዳዊት ነገሮ።
22
ዳዊት ድማ ንኣብያታር “ዶይቅ እቲ ኤዶማዊ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኡ ምስ ረአኽዎ፥ እዙይ ንሳኦል ከም ዝነግሮ ብርግፅ ፈሊጠ ነይረ። ንዅሎም ኣዝማድካ ምኽንያት ሞቶም ኣነ እየ።
23
እቲ ንነፍሰይ ዝደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፥ ንስኻ ኽትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፤ ኣይትፍራሕ” በሎ።
← Chapter 21
Chapter 23 →