bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Zechariah 12
Zechariah 12
Amharic Tigrinya 2011
1
ጾር ቃል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል። እቲ ንሰማያት ዝዝርግሖ፡ ንምድሪ ድማ ዝሰረታ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጡ ዝደኮኖ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡
2
እንሆ የሩሳሌም ነቶም ኣብ ዙርያ ዝለው ኹላቶም ህዝብታት ጽዋእ ሰኽራን ክገብራ እየ፡ የሩሳሌም ተኸቢባ ኸለውን ኣብ ይሁዳ ኸምኡ ኪኸውን እዩ።
3
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክኸውን እዩ፡ የሩሳሌም ንኹላቶም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፡ ዚስክምዋ ዘበሉ ኹላቶም ኣዝዮም ኪቐስሉ እዮም፡ ኩላቶም ኣህዛብ ምድሪውን ንምድሪ ኽእከቡ እዮም።
4
በታ መዓልቲ እቲኣ ንኹላቶም ኣፍራስ ብስምባድ፡ ንዚውጥሕዎም ከአ ብጽላለ ኽወቕዖም እየ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ድማ ኣዒንተይ ቋሕ ክብል እየ፡ ንኽላቶም ኣፍራስ ህዝብታት ከአ ብዑረት ክወቕዖም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
5
ሓላቑ ይሁዳ ብልቦም፡ እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩ ብጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ሐይለይ እዮም ክብሉ እዮም።
6
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነቶም ሓላቑ ይሁዳ ኸም ርሱን ምድጃ ኣብ ማእከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእጀል እንዳእትን ክገብሮም እየ፡ ነቶም ብየማነ ጸጋም ከቢቦምዎም ዘለው ኹላቶም ህዝብታት ከአ ኪውሕጥዎም እዮም፡ ዮርሳሌም ድማ ኣብ ቦታኣ፡ ኣብ ዮርሳሌም፡ ከም ብሓድሽ ሰፈር ክትከውን እያ።
7
ክብረት ቤት ዳዊትን ክብረት እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸይዕበ፡ እግዚኣብሄር ቅድም ንድንዃናት ይሁዳ ኼድሕን እዩ።
8
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩ ኺከላኸለሎም እዩ። እቲ ኻብታቶም ድኹም ዝኾነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ኪኸውን እዩ።
9
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ዮርሳሌም ዚመጹ ኹሎም ኣህዛብ ንምጥፋኦም ክደሊ እየ።
10
ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዑ እየ። ንሳቶም ከአ ንኣይ፡ ነቲ ዝወግእዎ ኽጥምቱ እዮም፡ ከምቲ ንሓደ ውሉድ ዚበኽየሉ ኽበኽየልሉ፡ ከምቲ ንበኹሩ መሪር ሓዘን ዚሐዝነሉ ኣምሪሮም ኪሐዝኑሉ እዮም።
11
በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምቲ ኣብ ሃዳድሪምን ኣብ ጎልጎል መጊዶን ዝኾነ ብኽያት፡ ኣብ ዮርሳሌም ዓብዩ ብኽያት ኪኸውን እዩ።
12
እታ ሃገር ከአ ክትበኪ እያ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፡ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይኖም፡ ኣንስቶም ድማ ንበይነን፡ ዓሌት ቤት ናታን ንበይኖም፡ ኣንስቶምውን ንበይነን።
13
ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፡ ኣንስቶም ከአ ንበይነን፡ ዓሌት ሽምዒ ንበይኖም፡ ኣንስቶምውን ንበይነን።
14
ኹሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም ኣንስቶምውን ንበይነን።
15
ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፡ ኣንስቶምውን ንበይነን።
16
ኩሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም ኣንስቶምውን ንበይነን።
← Chapter 11
Chapter 13 →