bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Zechariah 10
Zechariah 10
Amharic Tigrinya 2011
1
ብጊዜ ጽብሓት ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፡ እቲ መባርቕ ዚገብር እግዚኣብሄር ከአ ንነፍሲ ወከፍ ሳዕሪ ኣብ ግራት ሰርቢ ዝናም ኬዝንመሉ እዩ።
2
እቶም ጣኦታት ቤት ክንቱ ይዛረቡ፡ እቶም ጠንቆልቲ ኸአ ሓሶት ይርእዩ፡ ሕልሚ ሓሶት ይነግሩ፡ ብኸንቱውን የጸናንዑ። ስለዚ ኸም ኣባጊዕ ተባረሩ፡ ጓሳ የብሎምን እሞ ተጨነቑ።
3
ኩራይ ኣብ ልዕሊ እቶም ጓሶት ነደደ፡ ኣነውን ነቶም ዲቤላታት ክቐጽዖም እየ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንመጓሴኡ ቤት ይሁዳ ዚኪርዎ እዩ፡ ኣብ ውግእ ከም ፈረስ ክብሩ መትከል ካብኡ፡ ቀስቲ ውግእ ካብኡ፡ ኩሎም ጨቆንቲ ሐቢሮም ካብኡ ኺወጹ እዮም።
4
ኣብ ውግእ ከምቶም ንጸላእቶም ኣብ ጭቃ መገዲ ዚረግጹ ጀጋኑ ኪኾኑ፡ እግዚኣብሄር ምስኦም እዩ እሞ፡ ኪዋግኡ እዮም፡ እቶም ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑ ኸአ ኪሓንኩ እዮም።
5
ኣብ ውግእ ከምቶም ንጸላእቶም ኣብ ጭቃ መገዲ ዚረግጹ ጀጋኑ ኪኾኑ፡ እግዚኣብሄር ምስኦም እዩ እሞ፡ ኪዋግኡ እዮም፡ እቶም ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑ ኸአ ኪሓንኩ እዮም።
6
ኣነ ኸአ ንቤት ይሁዳ ኽበርትዓ፡ ንቤት ዮሴፍ ድማ ከድሕና እየ። ራሕሪሔሎ እየ እሞ፡ ክመልሶም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ፡ ክሰምዖም ከአ እየ እሞ፡ ከም ዘይወገድክዎምውን ኪኾኑ እዮም።
7
ኤፍሬም ከም ጅግና ኪኾኑ እዮም፡ ልቦም ድማ ከም ብወይኒ ኺሕጎስ እዩ፡ ደቆም ከአ ኪርእይዎን ኪሕጎሱን እዮም፡ ልቦም ብእግዚኣብሄር እልል ኪብል እዩ።
8
ኣነ ተበጅየዮም እየ እሞ፡ ክፉጽየሎምን ክእክቦምን እየ፡ በጺሖም ከም ዝነበሩ ኸአ ኪበዝሑ እዮም።
9
ኣብ ህዝብታት ክዘርኦም እየ፡ ኣብ ርሑቕ ድማ ኪዝክሩኒ እዮም፡ ምስ ደቆምውን ብህይወት ኪነብሩን ኪምለሱን እዮም።
10
ካብ ሃገር ግብጺ ኽመልሶም፡ ካብ ኣሶር ድማ ክእክቦም፡ ናብ ሃገር ጊልዓድን ሊባኖስን ከምጽኦም እየ፡ ዚአኽሎም ቦታ ኸአ ኣይኪርከብን እዩ።
11
ንሱ ብባሕሪ ጸበባ ኺሐልፍ፡ ንማዕበላት ኣብ ባሕሪ ኺወቕዖ እዩ፡ ኩሉ መዓሙቑ እቲ ርባ ኸአ ኪነጽፍ እዩ። ትዕቢት ኣሶር ኪዋረድ፡ ዘንጊ ግብጺውን ኪርሕቕ እዩ።
12
ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፡ ንሳቶምውን ብስሙ ኺመላለሱ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
← Chapter 9
Chapter 11 →