bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Song of Solomon 4
Song of Solomon 4
Amharic Tigrinya 2011
1
እኔኺ፡ ኣቲ ፍትውተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ እኔኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጉልባብኪ ኸም ርግብታት እየን’። ጸጉሪ ርእስኺ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።
2
ኣስናንኪ ኸም እተቖርጻ፡ ካብ ምሕጻብ ዝወጸ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ኩለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ።
3
ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እዩ፡ ኣፍኪ ጽቡቕ እዩ፡ መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጉልባብኪ ከም ምቃል ሮማን እዩ።
4
ክሳድኪ ኸ ንመቐመጥ ኣጽዋር እተሰርሔ፡ ሽሕ ዋልታ፡ ኩላተን ዋላቱ ጀጋኑ፡ ተሰቒልዋ ዘሎ ግምቢ ዳዊት እዩ።
5
ክልቲኦም ኣጥባትኪ ኸም ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹሻን ዚጓስያ ማንታ መሓስእ ሜዳቑ እየን።
6
መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡ ጽላሎት ከአ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡ ኣነ ናብ ከረን ከርቤን ናብ ኩርባ ዕጣንን ክኸይድ እየ።
7
ኣቲ ፍትውተየ፡ ኩለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን።
8
ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ኣቲ መርዓተይ፡ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡ ካብ ርእሲ ኣማናን ካብ ርእሲ ሰኒርን ሄርሞንን፡ ካብ ማሕደር ኣናብስን ካብ ኣኽራን ኣናብርን ጠምቲ።
9
ኣብ ሓበተይ፡ መርዐተይ፡ ልበይ ዘፈርክኒ፡ ብሓንቲ ቑላሕታኽን ብሓንቲ ድሪ ኽሳድክን ልበይ ዘረፍክኒ።
10
ፍቕርኺ ኽንደይ ይጽብቕ፡ ኣቲ ሓብተይ፡ መርዐተይ፡ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ፡ መአዛ ቕብእኺውን ካብ ኩሉ ቐመማት ይሐይሽ።
11
መርዓተይ፡ ካብ ከናፍርኪ መዓር ውለላ የንጠብጥብ፡ መዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ አሎ፡ ሽቱ ኽዳውንትኺውን ከም ሽቱ ሊባኖስ እዩ።
12
ኣቲ ሓብተይ፡ መርዓተይ፡ እተሸጎረ ገነት፡ ዕጽዊ ዒላ፡ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።
13
ኣባኺ ዝበቑለስ ገነት ሮማንን ክብር ፍሬታትን ዕምበባ ሪሓንን ናርዶስን፡
14
ናርዶስ ሳፍራንን፡ ምኡስ ሻምብቆን ቅርፍትን፡ ምስኡውን በብዓነቱ ኣእዋም ዕጣን፡ ከርበን ዓልወን ኩሉ ብሉጽ ቀመማትን ዝለዋ እያ።
15
ናይ ገነት ዓይኒ ማይ፡ ናይ ማይ ህይወት ዔላ፡ ካብ ሊባኖስ ዚፈስስ ፈልፋሊት ኢኺ።
16
ንፋስ ሰሜን፡ ተንስእ፡ ንፋስ ደቡብ፡ ንዓ፡ ምኡዝ ጨናታቱ ምእንቲ ኼፍስስ፡ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈሱ። ፍትወይ ናብ ገነቱ ይምጻእ፡ ክቡር ፍሬታቱ ይብላዕ።
← Chapter 3
Chapter 5 →