bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Romans 9
Romans 9
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣነ ብዙሕ ጓህን ዝየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ።
2
ኣነ ብዙሕ ጓህን ዝየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ።
3
ኣነ ብርእሰይ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ውጉዝ ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደሌኹ።
4
ደቂ እስራኤል እዮም እሞ፡ ውልድነትን ክብርን ኪዳንን ምሕጋግ ሕግን ምግልጋል ኣምላኽን ተስፋን ናታቶም እዩ።
5
ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን።
6
ግናኸ እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ ዂላቶም እስራኤላውያን ኣይኰኑን እሞ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን።
7
ዘርኢ ብይስሃቅ ኪስመየልካ እዩ እምበር፡ ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀነ፡ ኲላቶም ውሉድ ኣይኰኑን።
8
ማለት፡ እቶም ውሉድ ተስፋ እዮም ንዘርኢ ዚቚጸሩ እምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን።
9
እቲ ቓል ተስፋ፡ ንዓመት ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ኽመጽእ እዩ፡ ሳራውን ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡
10
እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡ ርብቃውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ምስ ጠነሰት፡ ከምኡ ዀነ።
11
ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፡ ንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ግና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ።
12
ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፡ ንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ግና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ።
13
ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፡ ንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ግና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ።
14
እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ የልቦን።
15
ንሙሴ፡ ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝድንግጸሉውን ክድንግጸሉ እየ፡ ኢልዎ እዩ እሞ፡
16
ስለዚ ናይቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናይቲ ዜልን ዚጐይን ኣይኰነን።
17
እቲ ጽሑፍ ንፈርኦን፡ ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፡ ስመይውን ኣብ ኲሉ ምድሪ ኺውረ፡ ነዚ እየ ዘተንሳእኩኻ፡ ይብሎ እዩ እሞ፡
18
እምብኣርስኸ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮውን የትርሮ እዩ።
19
ደጊም ንምንታይ ደኣ ሕጂኸ ዚገንሕ፧ ነቲ ፍቓዱ መን ይቃወሞ፡ ክትብለኒ ኢኻ።
20
ወይ ጋዶ፡ ኣታ ሰብ። ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፡ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒ፧ ይብሎ እዩ፧
21
ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቓሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧
22
ኣምላኽከ ቚጥዓኡ ምእንቲ ኼርኢ ሓይሉውን ኬፍልጥ ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቚጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጸሮም፡
23
እዚ ኸኣ ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቓሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም፡
24
ንኣናውን፡ ማለት ካብ ኣህዛብ ድማ እምበር፡ ካብ ኣይሁድ ጥራይ ንዘይኰንና ዝጸውዓና፡
25
ከምቲ ኣብ ሆሴእ ዚብሎ፡ ነቲ ህዝበይ ዘይኰነ ንእኡ ህዝበይ ክብሎ እየ፡ ነታ ዘይፍቅርቲውን ፍቅርቲ ኽብላ እየ፡ ኣብታ፡ ንስኻትኩምሲ ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ እተባሀለሎም ስፍራ ድማ፡ ኣብኣ ደቂ ህያው ኣምላኽ ከም ዚብሀሉ፡ ኪኸውን እዩ።
26
ከምቲ ኣብ ሆሴእ ዚብሎ፡ ነቲ ህዝበይ ዘይኰነ ንእኡ ህዝበይ ክብሎ እየ፡ ነታ ዘይፍቅርቲውን ፍቅርቲ ኽብላ እየ፡ ኣብታ፡ ንስኻትኩምሲ ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ እተባሀለሎም ስፍራ ድማ፡ ኣብኣ ደቂ ህያው ኣምላኽ ከም ዚብሀሉ፡ ኪኸውን እዩ።
27
እግዚኣብሄር ንቓሉ ብቚሩጽን ምዱብን ገይሩ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ እዩ እሞ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባ እስራኤል፡ ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን፡ ኢሉ ይጭድር።
28
እግዚኣብሄር ንቓሉ ብቚሩጽን ምዱብን ገይሩ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ እዩ እሞ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባ እስራኤል፡ ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን፡ ኢሉ ይጭድር።
29
ከምቲ ኢሳይያስውን ኣቐዲሙ፡ እግዚኣብሄር ጸባኦት ዘርኢ እንተ ዘይሐደገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና ንጎሞራውን ምመሰልና ኔርና፡ ዝበሎ እዩ።
30
ደጊምከ እንታይ ንበል፧ እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ ጽድቂ ረኸቡ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ።
31
እስራኤል ግና ንሕጊ ጽድቂ እናደለይዎስ፡ ናብቲ ሕጊ ጽድቂ ኣየጽሑን።
32
ስለምንታይ፧ ከመዮ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ መንሳተትን ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ካብ ግብሪ እምበር። ካብ እምነት ስለ ዘይደልይዎ፡ ብእምኒ መዓንቀፊ ተዐንቀፉ።
33
ስለምንታይ፧ ከመዮ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ መንሳተትን ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ካብ ግብሪ እምበር። ካብ እምነት ስለ ዘይደልይዎ፡ ብእምኒ መዓንቀፊ ተዐንቀፉ።
← Chapter 8
Chapter 10 →