bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Revelation 15
Revelation 15
Amharic Tigrinya 2011
1
ካልእ ዓብይን ዜገርምን ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ርኤኹ፡ እቲ ቚጥዓ ኣምላኽ ብኣታተን ኪፍጸም እዩ እሞ፡ ነተን ሾብዓተ መላእኽቲ ሒዞምወን ዘለዉ ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ርኤኹ።
2
ምስ ሓዊ እተሖሰ ኸም ባሕሪ መረጸን ዚመስል እሞ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ነቲ ቚጽሪ ስሙን ዝሰዐሩ፡ መሰንቆታት ኣምላኽ ሒዞም፡ ኣብቲ ባሕሪ መረጸን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡
3
ኣታ ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን ኣሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዂሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ።
4

5
ድሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እታ መቕደስ ድንኳን ምስክር ከኣ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት።
6
እቶም ሾብዓተ መዓት ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ፡ ባዕባዕ ዚብል ጽሩይ ክዳን ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣፍ ልቦምውን ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም፡ ካብ መቕደስ ወጹ።
7
ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ ካብ ቊጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዚነብር ኣምላኽ እተመልኤ ሾብዓተ ጽዋእ ወርቂ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሀቦም።
8
እታ መቕደስ ድማ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ግርማን ሓይልን ብትኪ መልኤት። እተን ናይቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሾብዓቲኤን መዓት ክሳዕ ዚውድኣስ፡ ሓደ እኳ ናብ መቕደስ ኪኣቱ ኣይከኣለን።
← Chapter 14
Chapter 16 →