bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 70
Psalms 70
Amharic Tigrinya 2011
1
ዎ ኣምላኽ፣ ንምንጋፈይ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።
2
እቶም ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይሕነኹን፣ እቶም ሕሰም ዚትምነዩለይ ንድሕሪት ይመለሱን ይነውሩን።
3
ኣሰይ፣ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ነዊሮም ንድሕሪት ይመለሱ።
4
እቶም ዚደልዩኻ ዅሎም ብኣኻ ባህ ይበሎምን ይተሐጐሱን፣ እቶም ምድሓንካ ዚፈትዉ ኸኣ ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽ ልዕል ይበል፣ ይበሉ።
5
ኣነ ግና መስኪንን ድኻን እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ናባይ ፍጠን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣይትደንጕ።
← Chapter 69
Chapter 71 →