bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 66
Psalms 66
Amharic Tigrinya 2011
1
ኵሉኹም ሃገራት፣ ንኣምላኽ እልል በሉሉ፣
2
ንኽብሪ ስሙ ዘምሩ፣ ንውዳሴኡ ኽብሪ ሀቡ።
3
ንኣምላኽ ከኣ፣ ግብርታትካ ኽንደይ ዜፍርህ እዩ፣ ጸላእትኻ ሳላ ዕቤት ስልጣንካ ኣቃባጢሮም ይግዝኡኻ፣ በልዎ።
4
ኵላ ምድሪ ኽትሰግደልካ ኽትዝምረልካውን እያ፣ ንስምካ ኽትዝምር እያ። ሴላ።
5
ንዑ፣ ኣምላኽ ዝገብሮ ኸኣ ርአዩ፣ ግብርታቱ ንደቂ ሰብ ዜፍርህ እዩ።
6
ንባሕሪ ንቑጽ ምድሪ ገይሩ ለወጦ፣ ንወሓዚ በእጋሮም ሰገርዎ፣ ሽዑ ብእኡ ተሐጐስና።
7
ብስልጣኑ ንዘለኣለም ይገዝእ፣ ኣዒንቱ ናብ ኣህዛብ ይምልከታ። ዓለወኛታት ርእሶም ኣየልዕሉ። ሴላ።
8
ኣቱም ኣህዛብ፣ ነቲ ንነፍስና ብህይወት ዘንበረ፣ ኣእጋርና ኼንደልህጻውን ዘይፈቐደ ኣምላኽና ባርኽዎ፣ ድምጺ ውዳሴኡ ኣስምዑ።
9
ኣቱም ኣህዛብ፣ ነቲ ንነፍስና ብህይወት ዘንበረ፣ ኣእጋርና ኼንደልህጻውን ዘይፈቐደ ኣምላኽና ባርኽዎ፣ ድምጺ ውዳሴኡ ኣስምዑ።
10
ዎ ኣምላኽ፣ ተዐዚብካና ኢኻ እሞ፣ ከም ዚዅላዕ ብሩር ኰላዕካና።
11
ናብ መርበብ ኣእቶኻና፣ ኣብ ሕቜና ኸቢድ ጾር ኣጾርካና።
12
ብልዕሊ ርእስና ሰባት ኣሳገርካ፣ ብሓውን ብማይን ሐለፍና፣ ንስኻ ግና ናብ ራህዋ ኣውጻእካና።
13
መስዋእቲ ምሕራር ሒዘ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ እቲ ኸናፍረይ እተዛረቦ፣ ጸቢቡኒ ኸሎኹ ኣፈይ ዝበሎ መብጽዓታተይ ንኣኻ ኽፍጽሞ እየ።
14
መስዋእቲ ምሕራር ሒዘ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ እቲ ኸናፍረይ እተዛረቦ፣ ጸቢቡኒ ኸሎኹ ኣፈይ ዝበሎ መብጽዓታተይ ንኣኻ ኽፍጽሞ እየ።
15
ካብ ስቡሓት ኣባጊዕ ምስ ዕጣን ደዓውል ገይረ፣ መስዋእቲ ምሕራር ከቕርበልካ እየ። ኣብዑርን ዲቤላታትን ክስውኣልካ እየ። ሴላ።
16
ኣቱም ንኣምላኽ እትፈርሁ ዅሉኹም፣ ንዑ፣ ንነፍሰይ ዝገበረላ ኸዘንትወልኩምሲ፣ ስምዑ።
17
ብኣፈይ ናብኡ ኣእዌኹ፣ ምስጋናውን ኣብ ትሕቲ መልሓሰይ ነበረ።
18
ኣብ ልበይ እኩይ ሀቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ።
19
ግናኸ ኣምላኽ ብሓቂ ሰሚዑኒ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ኣቕሊቡሉ እዩ።
20
እቲ ንጸሎተይ ዘይነዐቐ፣ ጸጋኡውን ዘየርሐቐለይ ኣምላኽሲ ይባረኽ።
← Chapter 65
Chapter 67 →