bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 36
Psalms 36
Amharic Tigrinya 2011
1
ረሲእ ብውሽጢ ልቡ ኽፍኣት ይዛረብ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሃት እግዚኣብሄር የልቦን።
2
ሓጢኣቱ ኸም ዘይርከብን ዘይጽላእንሲ፣ በዒንቱ ንርእሱ ይጥብራ እዩ እሞ፣
3
ቃላት ኣፉ እከይን ጥልመትን እዩ፣ ጠቢብ ምዃንን ሰናይ ምግባርን ሐዲጉ።
4
ኣብ ምድቃሱ ኽፍኣት ይፍሕስ፣ ኣብ ዘይጽብቕቲ መገዲ ይቐውም፣ ንእከይ ኣይጽየፎን እዩ።
5
ዎ እግዚኣብሄር፣ ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት፣ እምነትካውን ክሳዕ ደበናታት ይበጽሕ።
6
ጽድቅኻ ኸም ኣኽራን ኣምላኽ እዩ፣ ፍርድታትካ ገፊሕ መዓሙቝ እዩ። ጐይታየ፣ ንሰብን እንስሳን ትባልሆም ኢኻ።
7
ዎ ኣምላኽ፣ ሳህልኻ ኽንደይ ክቡር እዩ፣ ደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ ይጽግዑ።
8
ብስብሒ ቤትካ ይጸግቡ፣ ካብ ወሓዚ ባህታኻውን ተስትዮም።
9
ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ፣ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ አሎና።
10
ሳህልኻ ነቶም ዚፈልጡኻ፣ ጽድቅኻውን ንቕኑዓት ልቢ ወስኽ።
11
እግሪ ዕቡይ ኣይምጽኣኒ። ኢድ ረሲኣን ኣይትስጐጐኒ።
12
እንሆ፣ እቶም ገበርቲ እከይ ኣብኣ ወደቑ። ተፈገሙ፣ ኪትንስኡ ኸኣ ኣይኽእሉን እዮም።
← Chapter 35
Chapter 37 →