bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 32
Psalms 32
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣበሳኡ እተሐድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።
2
እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዜብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።
3
ስቕ ኢለ ኸሎኹ፣ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ።
4
ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸበደትኒ እሞ፣ ከም ብሃሩር ሓጋይ ማራይ ነቐጸ። ሴላ።
5
ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ፣ በደለይውን ኣይሰወርኩን፣ ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ፣ በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ። ሴላ።
6
ስለዚ ደጊ ዘበለ ዅሉ ብእትርከበላ ጊዜ ይልምነካ፣ ብሓቂ ብርቱዕ ውሒዝ እንተ ደፍኤውን፣ ኣይኪበጽሖን እዩ።
7
ንስኻ ኸውለይ ኢካ፣ ካብ ጸበባ ትሕልወኒ፣ ብእልልታ ምድሓን ትኸበኒ፣ ሴላ።
8
ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።
9
ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም፣ ናባኻ ምቕራብ ስለ ዝአበዩ፣ ብልባብን ብልጓምን ዚግርሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ።
10
ንረሲእ ብዙሕ ስቓይ አለዎ፣ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል ግና፣ ንእኡ ብጸጋ ኪኸቦ እዩ።
11
ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር ተሐጕሱ፣ ባህ ድማ ይበልኩም፣ ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም፣ እልል በሉ።
← Chapter 31
Chapter 33 →