bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 142
Psalms 142
Amharic Tigrinya 2011
1
ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ፡ ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር እምህለል ኣሎኹ።
2
ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፡ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር።
3
መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ፡ መገደይ ፈለጥካ፡ ኣብታ ዝሐልፋ መገዲ መፈንጠራ ሐብኡለይ።
4
ኣብ የማን ጠምት እሞ ርኤ፡ ዚፈልጠኒ የልቦን፡ መዕቈቢ ሰኣንኩ፡ ንነፍሰይ ግዲ ዚገብረላ የልቦን።
5
ዎ እግዚኣብሄር፡ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻ መዕቈብየይ፡ ኣብ ምድሪ ህያዋን ግደይ ኢኻ።
6
ኣብ ብዙሕ መከራ እየ ዘሎኹ እሞ፡ ኣውያተይ ስማዕ፡ ሐይሎምኒ እዮም እሞ፡ ካብ ሰጐጒተይ ኣናግፈኒ።
7
ንስምካ ኸማሱስ፡ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኣያ፡ ሰናይ ክትገብረለይ ኢኻ እሞ፡ ጻድቃን ኪኸቡኒ እዮም።
← Chapter 141
Chapter 143 →