bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 116
Psalms 116
Amharic Tigrinya 2011
1
ድምጸይን ምህለላይን ሰሚዑ እዩ እሞ፡
2
እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ እዩ እሞ፡ ኲለን መዓልትታተይ ናብኡ ኽምህለል እየ።
3
መኣሰር ሞት ከበበኒ፡ ጸበባ ሲኦል ሐዘኒ፡ ጭንቀትን መከራን ረኸብኩ።
4
ሽዑ ኣነ፡ ዎ ጐይታይ፡ ንነፍሰይ ኣድሕና፡ ኢለ ስም እግዚኣብሄር ጸዋዕኩ።
5
እግዚኣብሄር ርሕሩሕን ጻድቕን እዩ፡ ኣምላኽና ኸኣ መሓሪ እይ።
6
እግዚኣብሄር ንገርህታት ይሕልዎም፡ ኣነ ተሸገርኩ፡ ንሱውን ኣድሐነኒ።
7
ነፍሰየ፡ እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፡ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ።
8
ንነፍሰይ ካብ ሞት፡ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፡ ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፡
9
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክመላለስ እየ።
10
ኣመንኩ፡ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ኣዝየ ተጨኒቐ ነበርኩ።
11
ኣነ ብስምባደይ፡ ኲሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ፡ በልኩ።
12
ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረልይ ኲሉስ፡ ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ?
13
ጽዋእ ምድሓን ክወስድ፡ ስም እግዚኣብሄር ድማ ክጽውዕ እየ።
14
ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ።
15
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።
16
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ባርያኻ እየ፡ ባርያኻ፡ ወዲ እታ ባርያኻ እየ፡ መኣሰረይ ፈታሕካ።
17
መስዋእቲ ምስጋና ኽስውኣልካ፡ ስም እግዚኣብሄር ከኣ ክጽውዕ እየ።
18
ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቡ፡ ኣብ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማእከልኪ፡ ዎ የሩሳሌም፡ መብጽዓይ ክፍጽም እየ።
← Chapter 115
Chapter 117 →