bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 11
Psalms 11
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣብ እግዚኣብሄር ኣዕቍበ አሎኹ፣ ከመይ ደኣ ንነፍሰይ፣ ከም ዑፍ ናብ ከረንኪ ህደሚ፣ እትብልዋ፣
2
ንቕኑዓት ልቢ ብጸልማት ምእንቲ ኺውርውሩሎም፣ እንሆ፣ ረሲኣን ቀስቶም ይግትሩ፣ ንፍላጻኦም ኣብ መንትግ የዝግብዎ።
3
መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደኣ፣ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከአሎ፣
4
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ፣ ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት እዩ፣ ኣዒንቱ ይጥምታ፣ ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም አለዋ።
5
እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፣ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም።
6
እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፣ ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣ ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን መጽመድ ኬዝንም፣ ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ።
7
እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፣ ንጽድቂ ዜፍቅር እዩ፣ ቅኑዓትውን ገጹ ኺርእይዎ እዮም እሞ፣ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን መጽመድ ኬዝንም፣ ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ።
← Chapter 10
Chapter 12 →