bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Psalms 105
Psalms 105
Amharic Tigrinya 2011
1
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፡
2
ዘምሩሉ፡ ኣመስግንዎ፡ ብዛዕባ ዂሉ ተኣምራቱ ተዛረቡ።
3
ብቅዱስ ስሙ ኽበሩ፡ ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ይተሐጐስ።
4
እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ፡ ኣዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ።
6
ኣቱም ዘርኢ ኣብርሃም፡ እቲ ባርያኡ፡ ኣቱም ውሉድ ያእቆብ፡ ሕሩያቱ፡ ዝገበሮ መስትንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን ፍርዲ ኣፉን ዘክሩ።
7
ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፡ ፍርዱ ኣብ ኲሉ ምድሪ እዩ።
9
ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳኑ፡ ንይስሃቅውን ዝመሐለሉ ማሕላ፡ ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝኣዘዞ ቓል ንዘለኣለም ዘኪሩስ፡
10
ምድሪ ከነኣን፡ ዕድሎት ርስትኹም ክትከውን፡ ክህበካ እየ፡ ኢሉ ንያእቆብ ከም ሕጊ፡ ንእስራኤል ከኣ ከም ናይ ዘለኣለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ።
12
ብቚጽሪ ሒደት፡ ኣዝዮም ሒደት፡ ኣብኣውን ስደተኛታት ከለዉ፡
13
ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ ካብ መንግስቲውን ናብ ካልእ ህዝቢ ኺሐልፉ ኸለዉስ፡
14
ንሱ ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፡ ንቕቡኣተይ ኣይተንክይዎም፡ ንነብያተይ ድማ ክሩእ ኣይትግበርዎም፡ ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም።
16
ጥሜት ናብ ሃገር ጸውዔ፡ ኲሉ ምርኩስ እንጌራ ሰበረ።
17
ቀቅድሚኦም ሰብኣይ ለኣኸ፡ ዮሴፍ ከም ባርያ ተሸጠ።
18
ነእጋሩ ብመቚሕ ሳቐዩ፡ ነፍሱ ኣብ ሓጺን ኣተወት።
19
ቃሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚፍትኖ፡
20
ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፡ እቲ ገዛእ ኣህዛብ ሓራ ኣውጽኦ።
21
ንመሳፍንቱ ኸም ፍቓዱ ኺኣስሮም፡ ንሽማግሌታቱ ኸኣ ጥበብ ኪምህሮም፡ ጐይታ ቤቱን ኣዛዝ ኲሉ ጥሪቱን ገበሮ።
23
እስራኤል ናብ ግብጺ መጸ፡ ያእቆብውን ኣብ ሃገር ካም ሰፈረ።
24
ንህዝቡ ኸኣ ኣዝዩ ኣብዝሖ፡ ካብ ተጻረርቱውን ኣበርትዖ።
25
ንህዝቡ ኺጸልእዎ፡ ንባሮቱ ኺታናዀልዎምሲ፡ ልቦም ለወጦ።
26
ንሙሴ ባርያኡን ንኣሮን ሕሩዩን ለኣኸ።
27
ኣብ ማእከሎም ትእምርትታቱ፡ ኣብ ሃገር ካም ድማ ተኣምራት ገበሩ።
28
ጸልማት ለኣኸ፡ ኣጸልመተ ኸኣ፡ ንቓላቱውን ኣይተጻረርዎን።
29
ማያቶም ናብ ደም ለወጠ፡ ዓሳታቶም ከኣ ቐተለ።
30
ናብ ኣባይቲ ነገስታቶም ክሳዕ ዚኣትዋ፡ ምድሮም ብቚርዖብ መልኤት።
31
ተዛረበ እሞ ጽንጽያታት፡ ኣብ ኲሉ ወሰኖም ከኣ ቃርማ መጹ።
32
ኣብ ክንዲ ዝናምሲ በረድ፡ ሃልሃልታ ሓዊ ኸኣ ኣብ ሃገሮም ኣውረደ።
33
ወይኖምን በለሶምን ወቕዔ፡ ኣእዋሞ ዓዶም ድማ ሰባበረ።
34
ተዛረበ እሞ ኣንበጣ፡ ቊጽሪ ዜብሉ ኹብኩብታ መጸ።
35
ንዂሉ ብቋልያ ሃገሮም በልዖ፡ ንፍረ ምድሮም ከኣ በልዔ።
36
ንዂሉ በዂሪ ሃገሮም፡ ንበዂሪ ሓይሎም፡ ቀተለ።
37
ብወርቅን ብሩርን ኣውጽኦም፡ ኣብ ማእከል ዓሌቱ ኸኣ ድኹም ኣይነበረን።
38
ፍርሃት ወዲቕዎም ነበረ እሞ፡ ግብጺ ብምውጻኦም ተሐጐሰት።
39
ደበና ንመኸወልታ፡ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኼብርህ፡ ዘርግሔ።
40
ለመኑ እሞ ብርኒጎታት ኣምጽኤ። ብእንጌራ ሰማይውን ኣጽገቦም።
41
ከውሒ ኸፈተ እሞ ማያት ፈልፈለ፡ ውሒዝ ብንቑጽ ቦታ ወሐዘ።
42
ነቲ ቅዱስ ቃሉን ንኣብርሃም ባርያኡን ዘኪሩ እዩ እሞ፡
43
ንህዝቡ ብሓጐስ፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ብእልልታ ኣውጽኦም።
45
ትእዛዛቱ ኺገብሩ፡ ሕጉውን ኪሕልዉስ፡ ሃገር ኣህዛብ ሀቦም፡ ጻማ ኣህዛብውን ወረሱ።
← Chapter 104
Chapter 106 →