bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 31
Proverbs 31
Amharic Tigrinya 2011
1
ቃላት ንጉስ ልሙኤል፡ ኣዲኡ ዝመሀረቶ ንግራት፡
2
ኣየ፡ ኣታ ወደየ፡ እንታይ
3
ሓይልኻ ነንስቲ፡ መገድኻ ኸኣ ነተን መጥፋእቲ ነገስታት ኣይትሀብ።
4
ልሙኤለየ፡ ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፡ ፍርዲ ዂሎም ግፋዓት ከይልውጡስ፡ እዚ ኣይንነገስታትን እዩ፡ ነገስታት ወይኒ ኺሰትዩ፡ መሳፍንቲ፡ ዜስክር መስተ ኣበይ ኣሎ ኪብሉ ኣይግባእን።
5
ልሙኤለየ፡ ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፡ ፍርዲ ዂሎም ግፋዓት ከይልውጡስ፡ እዚ ኣይንነገስታትን እዩ፡ ነገስታት ወይኒ ኺሰትዩ፡ መሳፍንቲ፡ ዜስክር መስተ ኣበይ ኣሎ ኪብሉ ኣይግባእን።
6
ብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ።
7
ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕ፡ መከራኡ ኸኣ ኣይዘክር።
8
ኣብ ክንዲ ዓባስ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጸግዒ ዜብሎም ኣፍካ ኽፈት።
9
ኣፍካ ክፈት፡ ብቕንዕና ፍረድ፡ ንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም።
10
ደገኛ ሰበይትስ መን ይረኽባ፡ ዋጋኣ ኻብ ክቡር ዕንቊ ኣዝዩ ይኸብር።
11
ልቢ ሰብኣይ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን።
12
ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፋእ ኣይትገብሮን።
13
ጽጒርን ልሕጺ እንጣጢዕን ትደሊ፡ ተሐጒሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ።
14
ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ።
15
ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራቤታ ምግቦም ትህቦም፡ ነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን።
16
ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል።
17
ሕቚኣ ብሓይሉ ትዕጠቕ፡ ቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ።
18
ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ትርኢ፡ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን።
19
ኣእዳዋ መፍተል የልዕላ፡ ኣጻብዓውን ቊኒን ይሕዛ።
20
ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም፡ ንጽጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም።
21
ኲሎም ስድራኣ ሰብ ድርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብውርጪ ኣይትፈርህን።
22
ንርእሳ ምንጻፋት ትገብር፡ ክዳውንታውን በፍታን ጁዂን እዩ።
23
ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ።
24
ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሽይጥ፡ መቐነት ንነጋዳይ ትህቦ።
25
ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ።
26
ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ።
27
ንብረት ቤታ ትሕሉ፡ እንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕን።
28
ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዂላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ።
29
ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዂላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ።
30
ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ።
31
ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን
← Chapter 30