bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 29
Proverbs 29
Amharic Tigrinya 2011
1
እቲ ብዙሕ ተገሲጹስ ክሳዱ ዜትርር ሰብ ብድንገት ይጭፍለቕ፡ መድሃኒትውን የብሉን።
2
ጻድቃን እንተ ዐመሩ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፡ ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ህዝቢ የስቈርቊር።
3
ጥበብ ዚፈቱ ሰብ ነቦኡ የሐጒሶ፡ ምስ ኣመናዝር ዚመሐዞ ግና ገንዘቡ ይውድእ።
4
ንጉስ ንሃገር ብፍርዲ የጽንዓ፡ ፈታው መማለጃ ግና የጥፍኣ።
5
እቲ ንብጻዩ ዜቀባጥረሉ ነእጋሩ መጻወድያ ይገብረሉ።
6
ኣብ ገበን እኩይ ሰብ መፈንጠራ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና እልል ይብል ይሕጐስውን።
7
ጻድቕ ንገበን ድኻታት የስተውዕሎ፡ ረሲእ ግና ምስትውዓል ኣይፈልትን።
8
መላገጽቲ ሰብ ከተማ የንድዱ፡ ጠቢባን ግና ኲራ ይመልሱ።
9
ጠቢብ ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዂሪ ወይ ከኣ ይስሕቕ፡ ዕረፍቲ የብሉን።
10
እቶም መፍሰስቲ ደም ንፍጹም ሰብ ይጸልእዎ፡ ቅኑዓት ግና ነፍሱ ይደልዩ።
11
ዓሻ ንዂሉ ዂራኡ ይድርጒሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።
12
እቲ ንሓሶት ጽን ዚብል መኰንን፡ ኲሎም ገላውኡ ረሲኣን እዮም።
13
ድኻን ጠቓዕን ይራኸቡ፡ ነዒንቲ ኽልቲኦም ዜብርህ እግዚኣብሄር እዩ።
14
እቲ ንመሳኪን ብቕንዕና ዚፈርዶም ንጉስ፡ ዝፋኑ ንሓዋሩ ይጸንዕ።
15
ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ።
16
ረሲኣን እንተ በዝሑ፡ ገበን ይበዝሕ፡ ጻድቃን ግና ውድቀቶም ይርእዩ።
17
ንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ፡ ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ።
18
ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ።
19
ባርያ፡ ምንም እኳ እንተ ኣስተውዐለ፡ ኣይእዘዝን እዩ እሞ፡ ብዘረባ ኣይቅጻዕን።
20
ተሀዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ኣሎ።
21
እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዐበየ ባርያ ኣብ መወዳእታ ውሉድ ይኸውን።
22
ቊጡዕ ሰብ ባእሲ የልዕል፡ ተነቃፊ ሰብ ሓጢኣት የብዝሕ።
23
ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ፡ ብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ።
24
እቲ ምስ ሰራቒ ዚሐብር ንነፍሱ ይጸልኣ፡ ንሱ መርገም ይሰምዕ ገለ ኸኣ ኣይገልጽን።
25
ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር።
26
ብዙሓት ሰብ ሞገስ ገዛኢ ይደልዩ፡ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
27
ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጻድቃን ፍንፋን እዩ፡ እቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመላለስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ረሲኣን ፍንፋን እዩ።
← Chapter 28
Chapter 30 →