bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 23
Proverbs 23
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣብ መኣዲ ምስ መኰንን እንተ ተሰራዕካ፡ መን ከም ዝዀነ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ኣጸቢቕካ ኣስተብህል፡
2
ስሱዕ እንተ ዀንካስ፡ ንጐሮሮኻ ኻራ ኣቕርበሉ፡
3
ጠባሪ ብልዒ እዩ እሞ፡ ነቲ ጥዑም መብልዑ ኣይትብሀጎ።
4
ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዐር፡ ንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ።
5
ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ፡ ብርግጽ ኣኽናፍ የውጽእ እዩ እሞ፡ ኣዒንትኻዶ ናብቲ ዘየሎ ኸተውድቕ ኢኻ
6
ናይ ክፋእ ዝዓይኑ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ጣዕሚ መባልዑ ኸኣ ኣየብህግካ፡
7
ብላዕ፡ ስተ፡ ይብለካ፡ ኣብ ውሽጡ ግና ተጸባጻቢ እዩ እሞ፡ ልቡ ምሳኻ ኣይኰነን።
8
ነታ ዝበላዕካያ ዂላሶ ኽትተፍእ ኢኻ፡ ነታ ጽቡቕ ዘረባኻውን ከተጥፍኦ ኢኻ።
9
ዓሻ ነቲ ጥበብ ዘረባኻ ይንዕቆ እዩ እሞ፡ ኣብ እዝኑ ኣይትዛረብ።
10
ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል፡ ናብ ግራት ዘኽታማት ከኣ ኣይትእቶ።
11
እቲ ጠበቓኦም ብርቱዕ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ኣብ ክንዳኦም ኪማጐተካ እዩ።
12
ልብኻ ናብ ተግሳጽ፡ ኣእዛንካ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ።
13
ንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ገረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ።
14
ብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕና።
15
ወደየ፡ ልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀነ፡ ኣነውን ልበይ ይሕጐስ፡
16
እወ፡ ከናፍርካ ቕንዕና እንተ ተዛረባ፡ ኰላሊተይ ደስ ይብለን።
17
ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ፡ ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ልብኻ ዂሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ እምበር፡ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ።
18
ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ፡ ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ልብኻ ዂሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ እምበር፡ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ።
19
ኣታ ወደየ፡ ስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን፡ ንልብኻውን ብመገዲ ኣቕንዓዮ።
20
ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።
21
ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።
22
ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ኣዴኻ ምስ ኣረገት ከኣ ኣይትንዐቃ።
23
ንሓቂ ዐድጋ እሞ ኣይትሽጣ፡ ንጥበብን ተግሳጽን ኣእምሮን ከኣ።
24
ኣቦ ጻድቕ ብዙሕ ይሕጐስ፡ ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ብእኡ ባህ ይብሎ።
25
ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም፡ እታ ዝወለደትካ ኸኣ ትተሐጐስ።
26
ወደየ፡ ልብኻ ሀበኒ፡ ኣዒንትኻ ድማ ብመገደይ ደስ ይበለን።
27
ኣመንዝራስ ዓሚቚ ዓዘቕቲ እያ፡ ሰበይቲ ኻልእ ጸቢብ ጒድጓድ እያ።
28
ከም ከታሪ ተድቢ፡ ንብዙሓት ሰብውን ጠለምቲ ትገብሮም።
29
ዋይዋይታ ንመን እዩ ሓዘን ንመን እዩ ባእሲ ንመን እዩ ምስቊርቋር ንመን እዩ ብዘይ ምኽንያት ምቚሳል ንመን እዩ ምቕያሕ ዓይንስ ንመን እዩ
30
ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዚድንጒዩ፡ ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኺመርጹ ዚእከቡ እዩ።
31
ንወይኒ ምቕይሑ፡ ኣብ ብርለ ምውዕዋዑ፡ ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትጠምቶ።
32
ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፡ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ፉፍ የብል።
33
ኣዒንትኻ ሕውዝውዝ ይብላ፡ ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ።
34
ኣብ ውሽጢ ባሕሪ በጥ ከም ዝበለ፡ ኣብ ጫፍ ደቐል ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን፡
35
ወቒዖምንስ ኣይተሰምዓንን፡ ዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን፡ መኣዝ ክነቅሕ እየ መሊሰ ኽደልዮ እየ።
← Chapter 22
Chapter 24 →