bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 19
Proverbs 19
Amharic Tigrinya 2011
1
ካብቲ ቔናን ከናፍር ዘለዎ ዓሻስ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ።
2
ነፍሲ ብዘይ ፍልጠት ምዃና ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ቅልጡፍ እግሪ ኸኣ ይስሕት።
3
ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ፡ ልቡ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ዜንጸርጽር።
4
ሃብትስ ብዙሓት ፈተውቲ ይውስኽ፡ ንድኻ ግና ፈታዊኡ እካ ይሐድጎ።
5
ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ እቲ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ኣየምልጥን።
6
ንኸበርቴ ብዙሓት የቀባጥሩሉ፡ ነቲ ዓዳል ውህበታት ድማ ኲሎም ፈተውቱ እዮም።
7
ንድኻ ዂሎም ኣሕዋቱ ይጸልእዎ፡ ምናዳ እኳ ፈተውቱ ኻብኡ ይርሕቁ፡ ብቓላት ይስዕቦም፡ ግናኸ የለውን።
8
ልቦና ዜጥሪ ንነፍሱ የፍቅራ፡ ንምስትውዓል ዜድህበሉ ሰናይ ይረክብ።
9
ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ።
10
ንዓሻ ጣዕሚ ንብረት ኣይግብኣን፡ ምናዳ እኳ ንባርያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ምስልጣን ኣይግብኦን።
11
ምስትውዓል ንሰብ ንዂራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ።
12
ኲራ ንጉስ ከም ምጒዛም ኣንበሳ እዩ፡ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ።
13
ዓሻ ውሉድ ነቦኡ መከራ እዩ፡ ቈየቛ ሰበይቲ ኸኣ ከምቲ ኸየቛረጸ ዚነጥብ ናሕሲ እዩ።
14
ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረሱ፡ ለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ።
15
ትህኪት ናብ ዓሚቚ ድቃስ የውድቕ፡ ሸለልተኛ ነፍሲ ኸኣ ትጠሚ።
16
ትእዛዝ ዚሕሉ ነፍሱ ይሕሉ፡ መገዱ ሸለል ዚብል ግና ይመውት።
17
እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።
18
ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ።
19
እንተ ኣናገፍካዮስ ከተንድዶ ኢኻ እሞ፡ ኰራዪ ሰብ ይዕደ።
20
ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽውን ተቐበል።
21
ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና ኣሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር።
22
ንሰብ ርሕራሔ እዩ ጌጹ፡ ካብ ሓሳውስ ድኻ ይሐይሽ።
23
ፍርሃት እግዚኣብሄር ናብ ህይወት የብጽሕ፡ ሳላኡ ሰብ ጸጊቡ ይሐድር፡ ክፋእ ከኣ ኣይረኽቦን።
24
ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፡ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይመልሳን።
25
ንመላገጺ እንተ ገረፍካዮ፡ ገርሂ ይጥንቀቕ፡ ንብዓል ኣእምሮ እንተ ገሰጽካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት የስተውዕል።
26
እቲ ነቦኡ ዜጥፍእ ነዲኡውን ዚሰጒጒ መሕፈርን ነውራምን ውሉድ እዩ።
27
ወደየ፡ ነቲ ኻብ ቃል ፍልጠት ዜርሕቐካ ተግሳጽ ምስማዕ ሕደጎ።
28
ሕሱም ምስክር ንፍርዲ የባጭወሉ፡ ኣፍ ረሲእ ከኣ ኣበሳ ይውሕጥ።
29
ፍርዲ ንመላገጽቲ፡ መውቃዕቲ ኸኣ ንዝባን ዓያሱ ተዳልዩሎም ኣሎ።
← Chapter 18
Chapter 20 →