bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 17
Proverbs 17
Amharic Tigrinya 2011
1
ካብ ሕሩድ ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡ ንቕጽቲ ቚራስ ምስ ህድኣት ትበልጽ።
2
ለባም ባርያ ንነውራም ውሉድ ይገዝኦ፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል።
3
መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ከኣ ንወርቂ እዩ፡ ንልቢ ዚፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ።
4
እኩይ ሰብ ንበደለኛ ኸንፈር ጽን ይብሎ፡ ሓሳዊ ድማ ነታ እክይቲ መልሓስ ይሰምዓ።
5
ንድኻ ዜባጩ ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ብጒድኣት ዚሕጐስ ከኣ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።
6
ንኣረገውቲ እቶም ደቂ ደቆም ዘውዶም እዮም፡ ንቘልዑ ኸኣ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።
7
ንዓሻስ ዓብዪ ዘረባ ኣይመጠኑን፡ ንመስፍን ደኣ ግዳ ሓሰውቲ ኸናፍር ከመይ ኢለን፡
8
መማለጃ ነቲ እተቐበሎ ኸም ክቡር ዕንቊ እዩ፡ ኣብ ዝኸደ እንተ ኸደ ይሰልጦ።
9
ፍቕሪ ዚደሊ ንበደል ይኽውሎ፡ ናብ ነገር ዚምለስ ግና ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።
10
ካብ ሚእቲ ግርፋን ንዓሻስ፡ ተግሳጽ፡ ተግስጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ።
11
እኩይ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፡ ስለዚ ጨካን መልእኽተኛ ይሰዱሉ።
12
ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዚጓነፈካስ፡ ኰራኲራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽትጓነፈካ ይሐይሽ።
13
ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እከይ ዚፈዲ፡ መከራ ኻብ ቤቱ ኣይርሕቕን።
14
ምጅማር ቈየቛ ኸም ምኽፋት መገዲ ውሒዝ እዩ፡ ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ።
15
እቲ ንዓማጺ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዂንኖን፡ ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም።
16
ዓሻስ ልቢ የብሉን እዩ እሞ፡ ጥበብ ኪገዝእሲ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዋጋ ንምንታይ ይጠቅም
17
ፈታዊ ንዂሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።
18
ልቢ ዜብሉ ሰብ ኣገን ይጠቅዕ፡ ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ኸኣ ይውሐስ።
19
ባእሲ ዚፈቱ ሓጢኣት ይፈቱ፡ ንደጌኡ ዜንውሕ ምፍራስ ይደሊ።
20
ጠዋይ ልቢ ዘለዎ ሰናይ ኣይረክብን፡ ወስላት ዝልሳኑ ኸኣ ኣብ መከራ ይወድቕ።
21
ዓሻ ዝወለደ ብእኡ ይጒሂ፡ ኣቦ ዓሻውን ከቶ ኣይሕጐስን።
22
ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
23
ረሲእ፡ መገዲ ፍትሒ ንምጥዋይ፡ መማለጃ ኻብ ሕቚፊ ይወስድ።
24
ለባም ሰብሲ ጥበብ ኣብ ቅድሚኡ ኣላ፡ ኣዒንቲ ዓሻ ግና ክሳዕ ወሰን ምድሪ እየን።
25
ዓሻ ውሉድ ነቦኡ ጓሂ እዩ፡ ንወላዲቱ ኸኣ ምረት እዩ።
26
ንጻድቕ ምቕጻዕ፡ ንኽቡራት ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ሰናይ ኣይኰነን።
27
እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቚጥብ፡ ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ።
28
ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርኤ፡ ከናፍሩ ዚዐጹ ኣእምሮኛ ይበሀል።
← Chapter 16
Chapter 18 →