bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Numbers 36
Numbers 36
Amharic Tigrinya 2011
1
ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ዓሌት ደቂ ጊልኣድ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ ድማ ቀረቡ፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ እቶን ሹማምቲ፡ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤልን ከአ ተዛረቡ።
2
በሉ ድማ፡ እግዚኣብሄር እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ዕጭ ኪህቦም ንጐይታይ ኣዘዞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ እታ ርስቲ ጸሎፍሓድ ሓሙና ነዋልዱ ኽህበን ኣዘዘ።
3
ንሳተን ከአ ናብ ገለ ኻብ ደቂ ኻልኦት ነገዳት ደቂ እስራኤል እንተ ተአተዋ፡ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ይውሰድ፡ ናብ ርስቲ እቲ ዝአተዋኦ ነገድ ድማ ይወሰኽ። በዚ ኸምዚ ኻብቲ ብዕጭ እተረስተናዮ ይንከ።
4
ንደቂ እስራኤል ዓመት እልልታ ምስ ኮነሎም፡ እቲ ርስተን ናብ ርስቲ እቲ ዝአተዋኦ ነገድ ይወሰኽ፡ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ስርቲ ኣቦታትና ይንከ።
5
ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኣኤል ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ነገድ ደቂ ዮሴፍ እተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ።
6
እግዚኣብሄር ብናይ ኣዋልድ ጸሎፋድ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ናብ ዝፈተዋኦ ይተአተዋ፡ ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦተትን ጥራይ ግዳ ይተአተዋ።
7
ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኤል ኣብ ርስቲ ነገድ ኣቦታቱ ደአ ይጽናዕ እምበር፡ ርስቲ ደቂ እስራኤል ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ።
8
ካብ ነገዳት ደቂ እስራኤል ርስቲ ዝወረሰት ዝበለት ጓል ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኣኤል ርስቲ ኣቦተቱ ምእንቲ ኺወርስ ናብ ሓደ ኻብ ዓሌት ነገድ ኣቦኣ ትተኣቶ።
9
ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይጽናዕ እምበር፡ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።
10
ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበራ።
11
ማሕላ ቲርጻ፡ ሖርግ፡ ሚልካ፡ ኖዓ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ኣብ ደቂ ሓወቦታተን ተአተዋ።
12
ኣብ ዓሌታት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ተአተዋ፡ ርስተን ድማ ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦኤን ተረፈ።
13
እግዚኣብሄር ኣብ ጎላጉል ሞኣብ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ።
← Chapter 35